ልምዓት ናይ ሎሚ ከተማ ጥራሕ ኣይሃንፅን፤ ታሪኽ ፅባሕ እውን ይፅሕፍ – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ልምዓት ናይ ሎሚ ከተማ ጥራሕ ኣይሃንፅን፤ ታሪኽ ፅባሕ እውን ይፅሕፍ እዩ ኢለን ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ።

እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ገፀን ኣብ ዘመሓላለፈኦ መልእኽቲ፤ ከተማ እትህነፅ ብመንገዲን ህንፃን ጥራሕ ኣይኮነትን፤ ታሪኻ ዝሰርሑን ንሃገር ውዕለታ ዝኸፈሉን ብውዕለታ ዝውከሉ ደቃ ብኽብሪ ብምዝካር እውን እያ ኢለን።

ኣብ ከባቢ ስታዲየም ኣደይ ኣበባ፣ ስፖርት ኢትዮጵያን ኣፍሪካን ኣብ ምዕባይ ዓብዪ ኣሰር ዘንበሩ ይድነቃቸው ተሰማ ዝዝክር ሓወልቲ ምህናፅና ካብዚ ሓሳብ ብምንቃል ምዃኑ እውን ገሊፀን።

ይድነቃቸው ተሰማ ኣቦ ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪካ ከምዝኾኑን ክብሪ ዝግብኦም ሰብ ምዃኖምን ዝገለፃ እተን ከንቲባ፤ ንሃገርን ንወለዶን ኣበርክቶ ዝገበሩ ዓበይቲ ሰባት ምዝካር ታሪኽ ምስ ናይ ሎሚ ልምዓት ብምትእስሳር ንወለዶ ፅባሕ ኩርዓትን ተበግሶን ከም ዝፈጥር ገሊፀን።

ልምዓት ናይ ሎሚ ከተማ ጥራሕ ዘይኮነ ናይ ፅባሕ ታሪኽ እውን ከም ዝፅሕፍ ብምግላፅ፤ “ታሪኽ እናኽበርና፣ መንነትና እናደልደልና፣ ኣሰርና ንወለዶ እናመሓላለፍና ክንቅፅል ኢና” ክብላ መልእኽተን ኣመሓላሊፈን።

Comments (0)
Add Comment