ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ታሪኽ ክመሃሩ ንዝደልዩ ኣካላት ብሉፅ መምህር እዩ፤ ክመሃሩ ንዘይደልዩ ግና፣ ብተደጋጋሚ ናብ ናይ ስሕተት ዕንክሊል ክኣትዉ ምኽንያት ብምዃን ውድቀቶም ከቀላጥፍ ይኽእል።
24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም፣ ብዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ሰሜን እዝ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ፣ መበገሲ ናይቲ ክልተ ዓመት ዝቐፀለ ኲናት ኮይኑ። እቲ ኣዝዩ ኣሰቃቒ ኲናት፣ ህይወት ብዙሓት ዜጋታት ክሓልፍ፣ ኣካላዊ ጉድኣት ክወርድን ብዙሕ ንብረት ክዓኑን ምኽንያት ኮይኑ።
ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ትካላት ጥዕና ክዓንዉ፣ ኣቢያተ ትምህርቲ ክፈርሱን ክዕፀዉን ዜጋታት ካብ መንበሪ ከባቢኦም ክመዛበሉ ካብ ምግባር ብተወሳኺ ብዙሕ ዓውድታት ዝሓቖፈ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ቅልውላው ኣስዒቡ።
ግዳያት ናይዚ ኩሉ ሰብኣዊን ንዋታዊን ክሳራ ድማ ብቐዳምነት ህዝቢ ትግራይ፣ ብምቕፃል እውን መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ እዩ።
ድሕሪ እቲ መስካሕኽሒ ኲናት ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም ተፈሪሙ። እቲ ስምምዕ ቀዋሚ ተኹሲ ጠጠው ንምባልን ዘላቒ ሰላም ንምምፃእን ዝዓለመ እዩ ነይሩ።
እቲ ስምምዕነት እቲ ጉጅለ ዕጥቁ ንኽፈትሕ፣ ህዝቢ ናብ ሰላማዊ ምንቅስቓስ ክምለስ ከምኡ እውን ዳግመ ህንፀትን ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ንምምላስን ዝግበር ፃዕሪ ልዑል ዕድል ዝፈጠረ እዩ። እንተኾነ ግና ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ነዚ ወርቃዊ ዕድል ኣይተጠቐመሉን።
ብዘይ ኲናት ክነብር ዘይክእል ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ወርሒ ሓምለ 2018 ዓ.ም ስምምዕ ፕሪቶሪያ “ሞይቱ እዩ” ኢሉ ብምእዋጅ፤ ካብ ወርሒ ነሓሰ ጀሚሩ ኣብ ከባቢታት ዶብ ጎንፂታት ክባርዑ ገይሩ።
ካብዚ ሓሊፉ ድማ እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ኣብ ወርሒ መስከረም 2019 ዓ.ም ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ሰለስተ መዕርፎ ነፈርቲ ተቖፃፂሩ። እዚ ስዒቡ ድማ ሕብረት ኣፍሪካ ተግባር እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ንስምምዕነት ፕሪቶሪያ ዝጥሕስ ምዃኑ ኣፍሊጡ።
እዚ ድማ እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ንራብዓይ ግዜ ኲናት ንምጅማር ዝፈተኖ ፈተነ ኮይኑ ተመዝጊቡ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩሉ ኩነታት ግና ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ፃውዒት ሰላም ካብ ምቕራብ ኣየቋረፁን።
ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ብቋንቋ ትግርኛ ኣብ ዝሃቡዎ ቃለ መሕትት መራሕቲን ውድባትን ይመፅኡን ይኸዱን እዮም፤ ህዝቢ ግና ቀፃሊ እዩ ብምባል ኣገንዚቦም።
ብዛዕባ ተተካእቲ ወለዶ እቲ ክልል ኣመልኪቶም እንትዛረቡ እውን፣ መናእሰይ ዕጥቂ ኣብ ክንዲ ዝፈትሑ ናብ ውግእ ብግዲ ይምልመሉ ከም ዘለዉ ኣመልኪቶም።
እቲ ተግባር እቲ ጉጅለ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዕንክሊል ኲናት ክነብርን እቲ ጉጅለ ስልጣኑ ከናውሕን ዘይፍንቅሎ እምኒ ከምዘየለ ዘመላኽት እዩ።
ኣብ ዝሓለፉ እዋናት እውን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ህዝቢ ትግራይ ልምዓት እምበር ኲናት ከም ዘየድሊ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ብተደጋጋሚ ክገልፁ ፀኒሖም እዮም።
ከምዝፍለጥ እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ንነፍሲ ወከፍ ዝኸፈተ ኲናት ሓላፍነት ኣይወስድን፤ ህይወት ሰባት ዘህለቐ ኲናት ይቕረታ ብምሕታት ኣብ ክንዲ ዝሽፍን ብኻልእ ክሲ፣ ተወሳኺ ጎንፂን ኲናትን ክሽፍኖ ይፍትን እምበር።
እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ካብ ጌጋታቱ ዘይመሃር ናይ ጥፍኣት ሓይሊ እዩ። ካብ ስሕተቱ ዘይመሃር ውድብ ማለት፣ ካብ ዝሓለፈ ጌጋታቱ ትምህርቲ ወሲዱ ኣብ ክንዲ ምምሕያሽ፣ ነቲ ስሕተቱ ከም መርትዖ ንኻልኦት ዘቕርብ ማለት እዩ።
ኣብ ኲናት ኩሉ ግዜ ዝጉዳእ ህዝቢ እዩ። ዝተመዛበለ ስድራቤት፣ ብሰንኪ ኲናት ደቁ ዝሰኣነ ህዝቢ፣ ዝተዓፀወ ቤት ትምህርቲ፣ ዘይተኣከበ ምህርቲ፣ ዝቐሃመ ሕልሚ፣ ዝጸልመተ ተስፋ… እዚ ኩሉ ኣብ ህዝቢን ወለዶን ዝወርድ ጉድኣት እዩ።
ሰላም ሃንደበት ክህነፅ ዝኽእል ነገር ኣይኮነን፤ ካብ ቅኑዕ ዘተ፣ ዝርርብ፣ ድርድርን ገምጋምን ይጅምር። ሓደ ውድብ ናብ ህዝቡ ቀሪቡ “ተጋጊና፣ ብሰንኪ ኲናት ክቡር ዋጋ ከፊልኩም ይቕረ በሉና” ክብል እንከሎ ጥራሕ እዩ ሓዱሽ ምዕራፍ ዝኽፈት።
ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ግን ንእዚ ዝተፈጠረ ጉጅለ ኣይኮነን፤ ስቓይ ህዝቢ ዘይስምዖ፣ ብሽም ህዝቢ ዝነግድ ዕሉል ፀረ-ህዝቢ ጉጅለ ስለዝኾነ።