ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ምስ ሓለፍቲ ስራሕ ባንኪ ዓለም ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ምስ ሓለፍቲ ስራሕ ግሩፕ ባንኪ ዓለም ተዛቲየን።

እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ገፀን ኣብ ዘመሓላፈኦ መልእኽቲ፤ ሎሚ ምስቲ ባንኪ ዘለና ናይ ነዊሕ እዋን ሽርክነት ብዝበለፀ ንምጥንኻርን ናብ ዝለዓለ ደረጃ ንምዕባይን ዝዓለመ ዕዉት ዘተ ኣካይድና ኢለን።

ክሳብ ሕዚ ኣብ ምስፋሕን ምምሕያሽን መሰረተ ልምዓት ቀረብ ማይ ከተማ፣ ኣብ ህንፀት ትካላት መእከቢን መፅረዪን ፈሳሲ ርስሓት፣ ከምኡ እውን ኣብ ትራንስፖርትን ካልኦት ቁልፊ ዘፈራት ልምዓትን ካብ ግሩፕ ባንኪ ዓለም ንዝተረኸበ ሓገዝ ልዑል ምስጋና ኣለና ኢለን።

ኣብ ቀፃሊ እውን ምምሕዳር ከተማ ምስቲ ባንኪ ዘለዎ ምትሕብባር ብምስፋሕ፤ ሓደሽቲ ሓባራዊ ፕሮጀክታት ብምሕንፃፅን ብምትግባርን ንዘላቒ ልምዓት እታ ከተማን ንዝሐሸ ህይወት ዜጋታትን ብሓባር ንምስራሕ ውፅኢታዊ ዘተ ከምዘካየዳ ገሊፀን።

Comments (0)
Add Comment