ኣብ ከተማ መቐለ ልኡኻት ሕቡራት መንግስታትን ኣምባሳደራት ዝተፈላለያ ሃገራትን ምስ መራሕቲ ሃይማኖት ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ልኡኻት ሕቡራት መንግስታትን ኣምባሳደራት ዝተፈላለያ ሃገራትን ኣብ ከተማ መቐለ ምስ ዝርከቡ መራሕቲ ሃይማኖት ተዛትዮም።

እቶም ልኡኻት ምስ መራሕቲ በዓል ሓደራ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዘተ ድሕሪ ምክያዶም፤ ምስ መራሕቲ ሃይማኖት ዝተዛተዩ እንትኾኑ፤ እቲ ዘተ ኣብቲ ክልል ዘሎ ሓፈሻዊ ኩነታትን ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ጉዳያትን ዝምልከት ነይሩ።

ካብ ሎሚ ጀሚሮም ንክልተ መዓልታት ኣብ ከተማ መቐለ ዕላዊ ዑደት ስራሕ የካይዱ ዘለዉ እቶም ልኡኻት፤ ኣብ ፃንሒቶም ድማ ምስ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ዓበይቲ ዓዲን ተወከልቲ ሲቪል ማሕበረሰብን ከምዝዛተዩ ተገሊፁ።

እቲ ዑደት፤ ሓፈሻዊ ኩነታት እቲ ክልል ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ማሕበረሰብ ንምርዳእን ኣብቲ ክልል ብዛዕባ ዘለዉ ጉዳያት ንምዝታይን ዝዓለመ ምዃኑ እውን ተገሊፁ።

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዪህዝቢ #ዓብዪራኢ

ብግዛቸው ግርማዬ

Comments (0)
Add Comment