ሓምለዋይ ኣሰርና ብኣምር ምድማር ናይ ምስራሕ ምስክር ኢዩ – ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ሓምለዋይ ኣሰርና ብሓበራዊ ቅልፅምን ብኣምር ምድማር ናይ ምስራሕ ምስክር ኢዩ ኢሎም።
 
ምስ ሰራሕተኛታት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ፕሮጀክት ጫካ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዘካየዱ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ሓምለዋይ ኣሰርና ከም ሃገር ፍልፍል ፅባቐን ተደማሪ ዓቕሚ ኢኮኖሚን ክኸውን ኢዩ ብዝብል ተሊምና ዝሰራሕናዮ ብውፅኢት ፍረ ኣፍሪዩ እናተርኣየ ዝርከብ ተግባር ኢዩ ኢሎም።
 
እዚ ብተግባር ዝተደገፈ ዓብዪ ጉዕዞ ልምዓት ሓምለዋይ ኣሰር፣ ካብ ኢኮኖሚያዊን ሓለዋ ከባቢን ረብሕኡ ሓሊፉ ኣብ ዓለም ለኸ ዲፕሎማሲ ንሃገርና ልዑል ክብሪን ተሰማዓይነትን ከምዘጎናፀፋ ሓቢሮም።
 
ትኹረት ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ብዝለዓለ ኩነታት ኣብ ምስሓብ ዝርከብ እዚ ዓወት፣ ጉባኤ ክሌማዊ ለውጢ ዓለም (COP32) ብኹርዓት ንምትእንጋድ ንእንገብሮ ታሪኻዊ ዲፕሎማሲያዊ ፃዕሪ ጥንኩርን ዘተኣማምንን መሰረት ከምዘንበረ ተዛሪቦም።
 
እዚ ኩለመዳያዊ ዝላ መንግስታትን ትግሃት ዜጋታትን ዘርኢ፣ ንመላእ ኢትዮጵያውያን ኣዚዩ ከኹርዕ ዝግባእ ልዑል ሃገራዊ ዓወት ኢዩ ክብሉ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
 
ኣብዚ ዓመት “ተስፋን ንትከል” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ 8 ቢሊየን ፈልሲታት ንምትካል ዝሓሰብናዮ ሸቶ ንምዕዋት ብሕብረት ንትከል ክብሉ እውን ፃውዒት ኣቕሪቦም።
Comments (0)
Add Comment