ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)መራሕቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ልዕሊ 830 ተሽከርከርቲ ናብ ኤርትራ ወሲዶም ኢሎም ዋና ፈፃሚ ስራሕ ምሕደራን ኣገልግሎት ህዝቢን በዓል ሓደራ ምምሕዳርን ክልል ትግራይ ኣይተ ኣሰፋ ኣብረሃ።
ላዕለዎት ኣመራርሓ በዓል ሓደራ ምምሕዳር ኣብ ከተማ መቐለ ምስ ልኡኻት ሕቡራት መንግስታት፣ ኣምባሳደራት ዝተፈላለያ ሃገራትን ዓለም ለኸ መዳርግቲ ኣካላትን ተዛቲዮም።
ኣይተ ኣሰፋ ኣብቲ እዋን ዘተ፤ መራሕቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ኤርትራ ከምዝርከቡን ልዕሊ 830 ተሽከርከርቲ ፅዒኖም ናብ ኤርትራ ከምዝወሰዱን ገሊፆም።
እተን ተሽከርከርቲ ምውሳዶም ትካላት መንግስቲ ስርሐን ብምሉእ ኩነታት ከይፍፅማ ልዑል ዕንቅፋት ምዃኑ እውን ኣብሪሆም።
ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ምስ ሻዕቢያ ብምትሕብባር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይን እቲ ክልልን ልዑል ዕንወትን ክሳራን ከምዘውረደ ብምግላፅ፤ ምንቅስቓስ እቲ ጉጅለ ኣብቲ ክልል ኣብ ዝካየዱ ፃዕርታት ሰላምን ምርግጋእን ኣሉታዊ ፅልዋ እናሕደረ ከምዝርከብ እውን ገሊፆም።
ነዚ ብዝምልከት ድማ ማሕበረሰብ ዓለም ምንቅስቓስ እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ብግልፂ ክኹንንን ኣብቲ ክልል ዘላቒ ሰላም ንኽዓስል ኣድላዪ ፅዕንቶ ክገብርን ኣተሓሳሲቦም።
እቲ በዓል ሓደራ ምምሕዳር ኣብ ዝተውሃቦ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ እዋን ስልጣን፤ ሰላምን ፀጥታን ምርግጋፅ፣ ምሕደራ መንግስቲን መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ምምላስ ቀንዲ ልኡኽቶታቱ ምዃኖም ገሊፆም።
ካብዚ ብተወሳኺ ዳግመ ሕውየት ኢኮኖሚ ምቅልጣፍ፣ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ምምላስን ንመረፃ ዘድልዩ ትካላዊ ምድላዋት ምዝዛምን ቀዳምነት ዝወሃቦም ተግባራት ምዃኖም ኣብሪሆም።
ሰብኣዊ ሓገዝ ካብቶም በዓል ሓደራ ምምሕዳር ቀዳምነት ዝህቦም ጉዳያት ሓደ ምዃኑ ብምግላፅ፤ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ብመሰረት ዝተኻየደ ገምጋም ንጠለብ ሰብኣዊ ሓገዝ ክልል ትግራይ ኣስታት 700 ሚልዮን ዩሮ ከምዘድሊ ገሊፆም።
ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ትግራይ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ብምግንዛብ ምላሽ ሰብኣዊ ሓገዝ ከዕቢን ኣብ ሰላምን ምርግጋእን እቲ ክልል ኣሉታዊ ፅልዋ ዘሕድሩ ምንቅስቓሳት ብግልፂ ክኹንንን ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ብግዛቸው ግርማዬ