ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ከይዲ ምፍታሕ ዕጥቂን ዳግመ ህንፀትን ዳግም ካብ ዝተጀመረሉ እዋን ጀሚሩ 47 ሺሕ ነበር ዕጡቓት ቅድመ ምዝገባ ከምዝፈፀሙ ብሄራዊ ኮሚሽን ተሃድሶ ኢትዮጵያ ገሊፁ።
ምክትል ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ኣይተ ተስፋኣለም ይሕደጎ ከምዝገለፁዎ፤ ኣብቲ ክልል ከይዲ ምፍታሕ ዕጥቂን ዳግመ ህንፀትን ብውፅኢታዊ መንገዲ ይካየድ ኣሎ።
ካብቶም ቅድመ ምዝገባ ዝፈፀሙ 47 ሺሕ ነበር ዕጡቓት፤ ኣስታት 7 ሺሕ መለክዒታት ብምምላእ ናብ ማእኸላት ዳግመ ሕውየት ብምእታው ስልጠና ይወስዱ ምህላዎም ኣብሪሆም።
ኣብ ማእኸላት ኣብ ዝፀንሑሉ እዋን ካብ ኩናት ናብ ንቡር ማሕበራዊ ህይወት ብሰላም ንኽምለሱ ዝሕግዞም ስልጠና ስነ-ልቦና፣ ስነ-ምግባርን ካልኦት ስልጠናታትን ከምዝወስዱ ገሊፆም።
እቲ ስልጠና ተሃድሶ ኣብ ቀረባ እዋን ብምዝዛም ህይወቶም ዳግም ብዘላቕነት ንኽሃንፁ፣ ፋይናንሳዊ ሓገዝን ዝተፈላለዩ ሓፀርቲ ስልጠናታት ሞያን ከምዝወሃቦም ኣመልኪቶም።
ቀንዲ ዕላማ እቲ ከይዲ ነበር ዕጡቓት ናብ ሰላማዊ ማሕበራዊ ህይወት ብምምላስ ብሞያዊን ኢኮኖሚዊን ሓገዝ ርእሶም ክኢሎም ንኽነብሩ ምሕጋዝን ንዘላቒ ሰላምን ምርግጋዕን ዘበርክትዎ እጃም ምጥንኻርን እዩ።
ብግዛቸው ግርማዬ