ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ብምድላው ኲናት፣ ብዝፈፀሞ ኣገዳዲ ምልመላን ንዕላማ ኲናት ዝተኻየደ ፅዕንቶ ኢኮኖሚን ንህዝቢ ትግራይ ናብ ከቢድ ድኽነት ኣውዲቕዎ ኢሎም ዋና ፈፃሚ ስራሕ ምምሕዳርን ኣገልግሎት ህዝቢን በዓል ሓደራ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ኣሰፋ ኣብረሃ።
ኣይተ ኣሰፋ እዚ ዝገለፁ፤ ኣብ ከተማ መቐለ ምስ ልኡኻት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣምባሳደራት ዝተፈላለያ ሃገራትን ዓለም ለኸ መዳርግቲ ኣካላትን እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ዘተ ኣብ ዘስምዑዎ መደረ እዩ።
ኣይተ ኣሰፋ ኣብቲ እዋን ግዳያት እቲ ፀገም ተመዛበልቲ ጥራሕ ዘይኮኑስ ኣብ ትግራይ ዝነብሩ ኩሎም ክፍላት ሕብረተሰብ ምዃኖም ገሊፆም።
በዚ ድማ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ናብ ዝኸፍአ ፀገም ከምዝተሳጥሑ ተዛሪቦም።
ንኣብነት ካብ 80 ክሳብ 90 ሚእታዊ ነበርቲ ከተማ መቐለ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝደልዩ ምዃኖም ኣመልኪቶም።
ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ካብ ክልል ትግራይ እንትወፅእ ኣብ ትካላት መንግስቲን መዋቕር ምምሕዳርን እቲ ክልል ዘስዐቦ ዕንወትን ዝፈፀሞ ዘረፋን ኮኒኖም።
ቤት ፅሕፈት ፕሬዚዳንት፣ ኮሚሽን ፖሊስ፣ ባይቶ እቲ ክልልን ካልኦት ኣብያተ ዕዮ መንግስቲን ብሓዊ ከምዝዓነዉ፣ ኣቑሑት ቤት ፅሕፈትን ሰነዳትን ከምዝተዘረፉ፣ መርበባት ሓበሬታን ኮምፒዩተራትን ከምዝዓነዉ ኣብሪሆም።
ብምኽንያት እዚ ትካላት መንግስቲ ስረሐን ብምሉእ ዓቕመን ከይፍፅማ ዕንቅፋት ከምዝኾነ ኣብሪሆም።
በዓል ሓደራ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣብዚ ውሱን እዋን ሰላምን ፀጥታን ምርግጋፅ፣ ምሕደራ መንግስቲን መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ምምላስ፣ ዳግመ ሕውየት ኢኮኖሚ ምቅልጣፍ፣ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ምምላስ፣ ከምኡ እውን ንመረፃ ዘድልዩ ትካላዊ ምድላዋት ምዝዛም ቀንዲ ልኡኽቶታቱ ምዃኖም ኣመልኪቶም።
ብግዛቸው ግርማዬ