ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ.ኤም.ሲ)ብተበግሶ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዝተጀመረ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ተፈጥሮኣዊ ሃፍቲ ብምክንኻን ፅዕንቶ ክሌማዊ ለውጢ ንምፅዋር ጥራሕ ዘይኮነስ ከም ሃገር ውሕስና ምግቢ እውን የረጋግፅ ኣሎ።
እዚ መርሃ ግብሪ ሓለዋይ ኢኮኖሚ ብምህናፅ ካብ ምንቃቕ ካርቦን ናፃ ዝኾነ ከባቢ ብምፍጣር መፍረያይነት ዓውዲ ሕርሻ ንምዕባይ ዓብዪ ግደ እናተፃወተ ይርከብ።
ኢትዮጵያ ብዙሕ ጥቕሚ እትረክበሉ ዘላ እዚ መርሃ ግብሪ ኣብ መንጎ መንግስትን ህዝብን ዘሎ ምትሕብባር ብዝለዓለ ደረጃ ንኽርአ ልዑል ዓቕሚ እውን ፈጢሩ እዩ።
እቲ መርሃ ግብሪ ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ካብተን ዓበይቲ ናይ ዘላቒ ልምዓት ሃፍቲ ተፈጥሮ ዝትግበረለን ሃገራት ሓንቲ ክትከውን ኣኽኢልዋ ኣሎ።
በዚ ምኽንያት ድማ ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ ዓለም ለኻውን ኣህጉራውን ኣፍልጦታት ክትረክብ ምኽንያት ኮይኑ እዩ።
ዕንወት ደኒ ብምክልኻልን ሃፍቲ ተፈጥሮ ብምሕላውን ሽፋን ደኒ ንኽውስኽ ዘኽአለ እንትኸውን፤ ምስፍሕፋሕ በረኻ ምክልኻል፣ ሓደጋ ድርቂ ምንካይ፣ መሬት ካብ ምዕራቕን ካልኦት ብዙሓት ዕላማታትን እውን ኣሳኺዑ እዩ።
ኣብ ጣያታት መፈልፈሊ ፈልሲ ኣብ ዝተሓለዉ ቦታታትትን እንስሳት ምድላን፣ ምርባሕ ንህቢ፣ ከምኡ እውን ኣብ ኣሕምልትን ፍረምረን ዕድላት ስራሕ ብምፍጣር ንብዙሓት ተጠቀምቲ ይገብር ኣሎ።
ኣብ ሓለዋ ሃፍቲ ተፈጥሮ ውሕስና ምግቢን መሰረት ኮይኑ ካብ ምግልጋል ሓሊፉ፤ ኣብ ዓለም ለኸ መድረኽ ምስሊ ኢትዮጵያ ኣብ ምህናፅ ልዑል ኣስተዋፆኦ እበርከተ ይርከብ።
ብሓፈሻ፣ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ፅዕንቶ ክሌማዊ ለውጢ ብምንካይ ንኢትዮጵያ ኣብ ሃገራዊን ዓለም ለኻዊን ኢኮኖሚ፣ ማሕበራዊ፣ ዲፕሎማስያዊን ፖለቲካዊን ዓውዲታት ብዙሕ ረብሓ የምፀአላ ኣሎ።
ትማሊ ኣብ ወፍሪ ሓንቲ ፀሓይ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር መላእ ኢትዮጵያውያን ብሓባር ብምውፃእ ሓዱሽ ታሪኽ ፅሒፎሖም እዮም።
እዚ ድማ ኣብ መንጎ መንግስቲን ህዝብን ዘሎ ፅኑዕ ምትሕብባር ንመላእ ዓለም ብግልፂ ኣርእዩ ኣሎ።
ብወንድማገኝ ጸጋዬ