ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሓምለዋይ ኣሰር ዘላቒ ልምዓት ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ልዑል ኣስተዋፅኦ የበርክት ኣሎ ኢሎም ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ ገሊፆም።
መርሃ ግብሪ ተኸላ 800 ሚልየን ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ እናተሳለጠ ይርከብ።
ኣፈ ጉባ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ እውን ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም።
እቶም ኣፈ ጉባኤ ኣብቲ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዕዉት ብዝኾነ መንገዲ ተሳሊጡ።
መፍረያይነት ሕርሻን ሽፋን ደኒን ኣብ ምዕባይ ልዑል እጃም ከምዘበርከት ተዛሪቦም።
ብተበግሶ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዝተጀመረ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር፤ ኣብ መላእ ሃገር ህዝቢ ብምንቕቓሕ ፈልሲታት ከምዝተተኸሉ ኣብሪሆም።
ኣብ ሓምለዋይ ኣሰር ዝተረኸበ ዓወት በዓል ዋንኡ እቲ ህዝቢ እዩ እውን ኢሎም።
ሓምለዋይ ኣሰር ካብ ጎስጓስ ብዝዘለለ ምስ ተፈጥሮ እንስማዕመዐሉን ዘላቒ ልምዓት እነረጋግፀሉን ቀንዲ መሳርሒ ከም ዝኾነ እውን ሓቢሮም።
ብሚኪያስ ኣየለ