ሓቂ ንምግላፅን ብሄራዊ ረብሓ ንምግንዛብ ግደ መራኸቢ ሓፋሽ እዩ – ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ሓቂ ንምግላፅን ብሄራዊ ረብሓ ንምግንዛብ ግደ መራኸቢ ሓፋሽ እዩ ኢሉ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ፡፡
እቲ ኣገልግሎት ምሉእ ዘውፅኦ መግለፂ ከምዝስዕብ ክቐርብ እዩ።
መራኸብቲ ሓፋሽ ህንፀት ዲሞክራስያዊ ስርዓት ዘኽእል መሰረተ ልምዓት እዩ። መራኸብቲ ሓፋሽ ብሚዛናዊን ዘይሻራን ኮይኑ ናይ ምግልጋል ሓላፍነት ዘለዎ ዲሞክራስያዊ ትካል እዩ። ኢትዮጵያ ነዚ መትከል ኣብ ቅዋማ ብሕገ መንግስቲ ዘረጋገፀት ሃገር እያ።
እዚ ማለት ግን መራኸብቲ ሓፋሽ ዝሰርሕሉ ሃገርን ብሄራዊ ረብሓ ዘገልግልኦ ኣብ ግምት የእትወን ማለት ኣይኮነን። ዘይሻራዊ ሕጋዊ ኣሰራርሓ ኣብ ምሕላው፣ኣብ ልዕሊ ሓደ ጉጅለ ወይ ኣካል ዝኾነ ፍሉይ ወገናውነት ዘይምርኣይ፣ ምስ ሓቂ ደው ምባል ማለት እዩ።
ዘይሻራውነቶም ዘረጋገፁ ሓደ ሓቂ ብመንፅር ብኸመይ ክረአን ክፍተንን ከም ዘለዎ ብምርኣይን ብምፍታሽን እዩ ።
መራኸብቲ ሓፋሽ ሓቂ ናይ ምግላፅን ብሄራዊ ረብሓ ናይ ምድንፋዕን ሓላፍነት ኣለወን። ሓደ ካብ መሰረታት ብሄራዊ ረብሓታት ኢትዮጵያ መረፃ እዩ።
መረፃ መሰረት ዲሞክራስያዊ ስርዓት፣ ሰላማዊ ምስግጋር ስልጣን፣ ኣብ መንጎ መንግስትን ህዝብን ሱር ዝሰደደ ርክብ ስለዝኾነ፣ ሚድያታት ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ክሰርሓ ኣለወን።
መረፃ ኢትዮጵያ እውን ብመንፅር ሕጊ ኢትዮጵያ፣ ሕጋዊ ትካላት፣ ኣሰራርሓ ኢትዮጵያ ክርእይዎን ከቕርቡን ኣለዎም።
ኢትዮጵያ ነዊሕ ዘመን ስነ መንግስቲን ታሪኽን ባህሊን ኣለዋ። ይኹን እምበር ብኸምኡ መንገዲ ኣይገለፀትን፤ መራኸብቲ ሓፋሽ እውን ብእኹል መልክዑ ኣይገለፅኦን።
በዚ ምኽንያት ዓለም ብዘይ ውክልና ክትገልፆ ናይ ገዛእ ርእሳ ርድኢት ተጠቒማ ክትገልፆ ፀኒሓ እያ። ሎሚ ዋላ እኳ ገና ክዓብዩ ዘድልዮም እንተኾነ ብዙሓት ናይ መራኸብቲ ሓፋሽ ትካላት ኣለውና።
ብተወሳኺ ንኢትዮጵያ ካብ ቅድሚ ሕዚ ብዝበለፀ ናይ ምግላፅን ፅልዋን ዓቕሚ ኣማዕቢሎም።
ኢትዮጵያ ኣብ 7ይ ሃገራዊ መረፃ ንምክያድ መዓልታት ጥራይ ተሪፍዋ ኣሎ። ኢትዮጵያውያን ካብ 6ይ ሃገራዊ መረፃ ብዛዕባ ዘማዕበልዎ ትካላዊ ዓቕምን ዲሞክራስያዊ ኣሰራርሓን ተማሂሮም ንመንግስቶም ክመርፁ ተመዝጊቦም ኣለዉ።
ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment