ሓዱሽ ምዕራፍ ብሓዱሽ ሽመት

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መስከረም9፣ 2019 ዓ.ም (ኤፍ ኤም ሲ)ሓዱሽ ምስረታ መንግስቲ እታ ሃገር ኣብ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን መዳያት ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ እትሰጋገረሉን ንዝቕፅሉ ሓሙሽተ ዓመታት ዘበን ስራሕ እተበስረሉን ታሪኻዊ ፍፃመ እዩ።

ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ካብ ዘካየዶም ቃልስታት መሰል፣ ናፅነትን ዲሞክራስን ብዙሕ ተሞኩሮ ቀሲሙ እዩ።

ኣድማስ ኣረኣእያኡ ሰፊሑ እዩ፣ ስፍሓትን ዕምቆትን ዘቕርቦም ሕቶታት እውን ወሲኹ እዩ፤ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ድማ ብሓደ ወገን ናፅነቱን ሰብኣዊ መሰላቱን ንምኽባር መሪር ቃልሲ እናካየደ፣ ብኻልእ ወገን ግን “እንታይ ዓይነት ዲሞክራሲ እዩ ዘድልየኒ?” ንዝብል ሕቶ ንምምላስ ልዑል ፃዕሪ ይገብር ኣሎ።

ኣብ ታሪኽ ዝኾነት ሃገር ምምስራት ሓዱሽ መንግስቲ ሓዱሽ ምዕራፍ ዝኽፈተሉ፣ ዝሓለፉ ጌጋታት ብምእራም ሓደሽቲ ዓወታት ንምምዝጋብ ትልሚ ዝወፅአሉ ታሪኻዊ ዕድል እዩ።

ኣብዚ እዋን ኣብ ሃገርና ይካየድ ዘሎ ከይዲ ምምስራት መንግስቲ እውን ኣብ ህዝቢ ዓቢዪ ተስፋን ትፅቢትን ፈጢሩ ኣሎ። ህዝቢ፣ ሓዱሽ መንግስቲ ንሃገር ካብቶም ዘጋጥምዋ ዘለዉ ብዙሓት ፈተናታት ኣሻጊሩ፣ ፍትሓዊነት ብተግባር ዘረጋግፅ ክኸውን ትፅቢት ይግበረሉ።

ምምስራት ሓዱሽ መንግስቲ ሓባራዊ ድምፂ ኩሎም ኢትዮጵያውያንን ፀባቕ ብዙሕነትን ብተግባር ዝግለፀሉ፣ ኣብ ማዕርነትን ሓድነት ብዙሕ ብሄራትን ዝተመስረተ ስርዓት ንምህናፅ መንገዲ ይኸፍት።

እዚ ሓዱሽ ምምስራት መንግስቲ ኢትዮጵያ፤ ማሕበራዊ ውዕሊን እምነትን ህዝቢ ሒዙ ዝመፅእ ብምዃኑ ኣብ ህንፀት ዲሞክራስያዊ ስርዓት እታ ሃገር ሓዱሽ ምዕራፍ ዝኸፍት እዩ።

መንግስቲ ሰላም እታ ሃገር ናይ ምኽባር፣ ልዕልነት ሕጊ ናይ ምርግጋፅን መሰረታዊ ሕቶታት ልምዓት ዜጋታት ናይ ምምላስን ልዑል ሃገራዊ ሓላፍነት ዘለዎ ብምዃኑ፤ እቲ ሕዚ ዝካየድ ዘሎ ምምስራት መንግስቲ ካብቲ ዝተለመደ መግለላይ ፖለቲካ ወፂኡ ፀባቕ ብዙሕነት ብተግባር ዘርኢ ንኹሎም ዜጋታት ዘሳትፍ ሓድነት ብዙሕ ብሄራት ንምህናፅ ዝዓለመ ኮይኑ ኣሎ።

እቲ ሓዱሽ ምሕደራ ዝተጀመሩ ምምሕያሻት ማክሮ-ኢኮኖሚ፣ ህንፀት መሰረተ ልምዓትን ኩነታት ናብራ ዜጋታት ናይ ምምሕያሽ ተግባራትን ኣጠናኺሩ ናይ ምቕፃል ሓላፍነት ኣለዎ።

በዚ ድማ ኢትዮጵያ ዝተሓላለኹ ፖለቲካዊን ማሕበራዊን ፈተናታት ብፅንዓት ብምስጋር፣ ኣብ መንጎ ህዝብታት ዘሎ ሕውነትን ሓቢርካ ምንባርን ብምጥንኻር፣ ናብ ዝሐሸ ምዕራፍ ልምዓትን ምዕባለን ክትሰጋገር እያ።

ብሓፈሻ ልዑል ተስፋ ህዝቢ ንመንግስቲ ልዑል ሓይሊን ሓላፍነትን እዩ። ሓዱሽ መንግስቲ ነዚ ታሪኻዊ ዕድል ብምጥቃም ተስፋ ህዝቢ ናብ ተግባር ብምልዋጥ ፍትሒ ዝዓሰላ፣ መሰል ኩሎም ዜጋታት ዝኽበረላን ብሓባር እትምዕልን ሓያል ሃገር ምህናፅ ይከኣል።

#መንግስቲመደመር

ብትእግስት ግዛቸው

Comments (0)
Add Comment