ሓድጊ ወለዶን ሰረት ህልውናን…

መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ብዙሓት ረብሓታት እናኣምፅአ ይርከብ።
ክሊማዊ ለጥ ኣብ ምፅዋር፣ ዝዓረቐ መሬት ንምልማዕን ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ኣብ ምህናፅን ውፅኢታዊ ኮይኑ ኣሎ።
ኣብ 2011 ዓ.ም. ዝተጀመረ ሃገራዊ ጎስጓስ ምትካል ፈልሲን ሓለዋ ተፈጥሮኣዊ ሃብትን ኣብ ሓለዋ ከባቢ፣ ኢኮኖሚን ማሕበራዊ ዓውዲን ብዙሓት ጭቡጣት ለውጥታት እናመዝገበ ይርከብ።
ኢትዮጵያ ንጎረባብቲ ሃገራት እውን ፈልሲታት ብምክፋል፣ ኣብ ምቅላስ ክሊማዊ ለውጢ ኣብ ኣፍሪካ ኣብነትብምዃን ሓምለዋይ ዲፕሎማሲ እናሃነፀት ትርከብ።
እዚ ግዙፍ ፕሮጀክት ሽፋን ደን ኢትዮጵያ ኣብ ምዕባይ ዓቢ ለውጢ ኣምፂኡ እዩ።
ኣግራብ ካርቦን ዝሓዙ ጋዛት ብምውሳድ ክሊማዊ ለውጢ ይከላኸሉ፤ ሙቐት ከባቢ ንኽመጣጠንን ኣየር ንመነባብሮ ምቹእ ንኽኸውንን ይሕግዙ።
ከምኡ’ውን ብዝናብን ካልኦት ተፈጥሯዊ ሓደጋታትን ዝመፅእ ምሽርሻር ሓመድ ብምክልኻል ልሙዕነት መሬት ይሕልዉ።
ከም ኣቮካዶ፣ ማንጎን ፓፓያን ዝኣመሰሉ ፍረታት ብምልማዕ ሓረስቶት ተጠቀምቲ ካብ ምግባር ሓሊፉ ንውሕስነት ምግብን ሃገራዊ ንግዲ ወፃእን ዓቢ ኣስተዋፅኦ የበርክቱ ኣለዉ።
ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ክሳብሐዚ ካብ 48 ቢልየን ንላዕሊ ፈልሲታት ተኺላ ኣላ።
በዚ ድማ ሽፋን ደን ሃገርና ካብ 17.2 ሚእታዊት ናብ 23.6 ሚእታዊት ዓብዩ ኣሎ።
ዓመታዊ መጠን ምሽርሻር ሓመድ ካብ 1.9 ቢልየን ቶን ናብ 208 ሚልየን ቶን ብዓቢ መጠን ቀኒሱ ኣሎ። እዚ ለውጢ ብፍላይ ሓፅብታት ካብ ደለል ንምክልኻል ዓቢ ኣበርክቶ ገይሩ።
ኣብ መላእ ሃገር ልዕሊ 197 ሽሕ ማሕበራት ልምዓት ተፋሰሳት ተመስሪቶም፤ ፍልፍላት ማይ እንደገና ንኽምዕብሉን ማይ ከርሰ ምድሪ ንኽውስኽን ኣበርክቶ ገይሮም።
ኣብ ምፍራይ፣ ምትካልን ምክንኻንን ፈልሲታት ንልዕሊ 2.5 ሚልየን ዜጋታት ቀዋሚን ግዝያዊን ዕድል ስራሕ ተፈጢሩሎም።
ብምምዕባል ደናት ቀደም ጠፊኦም ዝነበሩ እንስሳት ዘገዳምን ዝተፈላለያ ኣዕዋፍን ናብ ቀደም መንበሪኦም ክምለሱ ጀሚሮም ኣለዉ።
ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ቁፅሪ መፍረዪ ፈልሲታት ኣብ መላእ ሃገር ካብ 40 ሽሕ ናብ 120 ሽሕ ዓብዩ፣ ስርዓት ኣቕርቦት ፈልሲታት ከኣ ኣጠናኺሩ እዩ።
እቲ መርሃ ግብሪ ተሳትፎን ሓድነትን ዜጋታት ኣብ ምጥንኻር፣ ዓመት ዓመት ካብ 20 ክሳብ 30 ሚልየን ዝግመቱ ዜጋታት ብፍቓዶም ብሓባር ኣብ ምትካል ፈልሲ ንክሳተፉ፣ ንሓለዋ ከባቢ ዘለዎም ግንዛበን ማሕበራዊ ርክቦምን ንኽዓቢ ኣበርክቶ ገይሩ።
ምትካል ፈልሲ ናይ መጀመርታ ስጉምቲ ጥራይ እዩ። እቲ ቀንዲ ሓላፍነት ግን ዝተተኽለ ፈልሲ ከም ዝዓቢን ከም ዝፀንዕን ምርግጋፅ እዩ።
መንግስቲ ንመጠን ፅድቀት ፈልሲታት ንምክትታል ቴክኖሎጂ እናተጠቐመ ይርከብ፤ ንነፍሲ ወከፍ ፈልሲ ፍሉይ መለለዪ ቁፅሪ ናይ ምሃብ ስራሕ እውን እናተፈፀመ እዩ።
ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ዝተኸሎ ፈልሲ ብግቡእ ብምክንኻን፣ ንዝቕፅል ወለዶ ሓምለዋይ፣ ፅብቕቲን ብልፅግቲን ኢትዮጵያ ናይ ምርካብ ታሪኻዊ ሓላፍነት ኣለዎ።
Comments (0)
Add Comment