ኣዲስ ኣበባ፣22 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣብ ዝርአ ዘሎ ጂኦ ፖለቲካዊ መድረኽ ዝርኣዩ ተለዋዋጢ ፍፃመታት ብግልፂ ዘርእዩዎ ሓደ ሓቂ ኣሎ፤ እዚ ድማ ስልታዊ ፍልፍል ፍርሒ ካይሮን ኣስመራን ኩለመዳያዊ ምዕባለን ራህዋን ኢትዮጵያ ምዃኑ እዩ።
ኢትዮጵያ ዘለዋ ተፈጥሯዊ ፀጋ፣ ብዝሒ ህዝባን ስትራቴጂያዊ ልዕልና ተጠቒማ ናይ እቲ ዞባ ኢኮኖሚያዊ ምትእስሳር ንምርግጋፅን ንትንሳኤ ኣህጉራዊ ንምምራሕን ኣብ እትፅዕረሉ ሕድሕድ ሰከንድ፣ ኣብ ቤተ መንግስታት ካይሮን ኣስመራን ዝስማዕ ድምፂ መተዓዛዘቢ ኮይኑ ፀኒሑ እዩ።
ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኻዊ ጌጋን ውዲትን ካብ ቀይሕ ባሕሪ ክትርሕቕ ዝተገብረትሉ ፀልማት ምዕራፍ እኳ እንተተወደአ፣ ሎሚ ነቲ ጌጋ ብምእራም በዓልቲ ዋና በሪ ባሕሪ ንምዃን ዝግበር ዲፕሎማሲያዊ ፃዕርን ብርሃን ዓብዪ ግድብ ሕዳሴ ኢትዮጵያ ምፍንጣቕን፣ ነዞም ክልተ ኮንትሮባንድ ሰላም ዘካይዱ ኣዝዩ ኣሰንቢዱዎም እዩ።
ባህግን ስትራቴጂኣን ጎረባብታ ኣብ ጎንፂ ተፀሚዶም ካብ ድኽነት ከይወፁ ብምግባር ማይ ናይል ብዘይፍትሓዊ መንገዲ ንበይና ክትጥቀመሉ ዘይከኣል ነቲ ዘበን ዝመስል ሕልሚ ንምንባር እዩ።
እዚ ድማ ካይሮን ኣስመራን ብዘይተቐደሰ መርዓ ኣራኺብወን እዩ። ካይሮ ኣብዚ እዋን ኣብ ከቢድ ውሽጣዊ ኢኮኖሚያዊ ፀቕጢ፣ ዝቕባበ ዋጋን ማሕበራዊ ቅልውላውን ትርከብ።
ነዚ ድሌታ ተኣማኒ ፈረስ ኮይኑ ዘገልግል ገዛኢ ጉጅለ ኣስመራ ቀለብ ጥይትን ኣፅዋርን እናሰፍረት ውጥረታ ንምቕናስ ትፍትን። እዚ ንኣስመራ ዝግበር ድጎማ ኣፅዋር ግን ልምዓት ዘይኮነስ ህዝቢ እቲ ዞባ ብደምን ሓዊን ንምልባስ ዝግበር ቁማር ፀወታ እዩ።
ኣብዚ ናይ ካይሮ ውዲታዊ ውድድር ፈረስ ድማ ቀዳማይ ቦታ ዝሓዘ እቲ ገዛኢ ጉጅለ ኣስመራ እዩ። ምምሕዳር ኤርትራ ካብ ምጅማሩ ክሳብ ሕዚ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ታሪኽ ተወዲኡሉ ክሳብ ዝሰናበተሉ መወዳእታ መዓልቲ ካብ ኣርዑት ተለኣኣክነት ክወፅእ ዘይክእል ናይ ታሪኽ ዕጫ ተፃዒንዎ እዩ።
ሓያል፣ ሰላማዊትን ሃፍታምን ኢትዮጵያ ምህላው ንናይ ባዕሉ ፖለቲካዊ ህልውና ዓቢይ ስግኣት ገይሩ ዝቖፅሮ እቲ ጉጅለ፣ ሰላም ኢትዮጵያ ንምዕንቃፍ ምስ ዝሰርሑ ታሪኻዊ ግዳማዊያን ፀላእቲ ብምሕባር ከም ዓቢይ ፖለቲካዊ ጥበብ ይቖፅሮ።
ኣስመራ ብወገና ካብ ማዶ ቀይሕ ባሕሪ ዝመፅአላ ረብሓ ዝተሰነየት ናይ ኣፅዋር ኮንትሮባንድ ከም ዓቢይ ዓወት ትቖፅሮ።
ኣብ 21 ክፍለ ዘመን ሓቂ ሃይድሮ ፖለቲካ፣ ንድሕሪት ከምዘይምለስ እቶም ውዲተኛታት ክርድኡ ኣይከኣሉን። ኣብ 2013 ዓ.ም.ፈ ብምምሕዳር ሞሓመድ ሙርሲ ኣብ ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን እውን ዝተዳለዉ ኣፍራሲ ናይ ጥፍኣት ኣማራፂታት ከምዝፈሸሉ ሕዚ ብኤል-ሲሲ ዝምራሕ ጂኦ ፖለቲካዊ ከበባን ናይ ቀይሕ ባሕሪ ወተሃደራዊ ስምምዕን እውን ካብ ምድጋም ታሪኽ ኣይዘልልን።
ተርባይናት ዓብዪ ግድብ ሕዳሴ ኢትዮጵያ ምፍራይ ኤሌክትሪክ ዝጀመሩሉ ብርሃን ንኢኮኖሚያዊ ልዕልና ኢትዮጵያ ዝእውጅ ጥራይ ዘይኮነስ ንፀልማት ውዲት እቲ ዞባ ዘቃልዕ ብርሃን ሓቂ እውን እዩ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ዲፕሎማተኛታት ኤርትራ ናይ ዲፕሎማሲያዊ ክብሪ መሰል ከም ሽፋን ብምጥቃም ናይ ሃገር ፅኑዕ ቅዋም ሰላም ክፈታተኑ ከምዝተራእዩ፣ ኢትዮጵያ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ኤምባሲኣ ክዕፆ ምውሳናን ዲፕሎማተኛታት ኤርትራ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ሃገር ክለቁ ምእዛዛን፣ ንሉዓላውነታን ክብራን ዝህቦ ዋጋ ብተግባር ዘርኢ እዋናውን ስጉምቲ እዩ።
ኢትዮጵያ ኣብ ሃገራዊ ረብሓኣ ዝዓልብ ኩለመዳያዊ ፈተነታት ንምክልኻል፣ ሉዓላውነታ ንምኽባርን በዓልቲ ዋናነት በሪ ባሕሪ ንምዃን ሕጋዊ፣ ታሪኻዊን ተፈጥሯዊን መሰል ኣለዋ። ነዚ ሕጋዊ መሰላ ድማ ብዝኾነ ዋጋን ኣብ ኩሎም ዓለምለኻዊ መድረኻትን ብተግባር ክትጥቀመሉ እያ።
ብሃይለኢየሱስ መኮንን