መልቀቒ ፈተና 12 ክፍሊ ምሃብ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሃገር ለኸ መልቀቒ ፈተና 12 ክፍሊ ዘበነ ትምህርቲ 2018 ሎሚ መዓልቲ ምሃብ ተጀሚሩ፡፡

ሚኒስትር ትምህርቲ ብርሃኑ ነጋ (ፕ/ር) ኣብ ማእኸል ፈተና ቤተ መፃሕቲ ኣብርሆት ብምርካብ እቲ ከይዲ ብዕሊ ኣጀሚሮም።

እቲ ፈተና ብዝተፈላለዩ ዙራት ብኦንላይንን ብወረቐትን ክሳብ 16 ሓምለ 2018 ዓ.ም ክወሃብ ኢዩ፡፡

ኣብዚ ዓመት 563 ሺሕን 501 ተምሃሮ ነቲ ፈተና ንኽወስዱ ተመዝጊቦም ኣለው።

እቲ ፈተና ብኢንተርነትን ብወረቐትን ዝካየድ እንትኾን፤ ኣብ 6 ዙር ብኢንተርነት ፈተና ዝወስዱ ተምሃሮ ኣብቲ ስርዓት ሲስተም ልምምድ ገይሮም ኣለዉ።

ተፈተንቲ ናይ ተፈጥሮ ሳይንስ ወረቐት ካብ 1 ክሳብ 3 ሓምለ ኣብ 3ይ ዙር ፈተና ክወስዱ እንከለዉ፤ ናይ ማሕበራዊ ሳይንስ ወረቐት ዝተፈተኑ ድማ ካብ 6 ክሳብ 8 ሓምለ 2018 ፈተና ክወስዱ እዮም።

ብሰኣዳ ጌታቸው

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment