ምብራኽ ከተማታትና፥ መልክዕ ምብራኽ ሃገርና እዩ።
ደረጃኦም ዝሓለዉ ከተማታት መስትያት ስልጣነ እዮም። ደረጃ ዕቤት ሓንቲ ሃገር፣ ብራኸ ኣተሓሳስባ ህዝባ፣ ቆራፅነት ሓለዋ ከባቢን ኣንፈት ልምዓትን ብግልፂ ዘርእዩ ህያዋን ገፃት እዮም።
ብፍልፍል ሓሳብ ክቡር ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ካብ ኣዲስ ኣበባ ተበጊሱ ናብ ኩለን ከተማታት ኢትዮጵያ ዝተዘርግሐ ስራሕ ልምዓት ኮሪደር እውን ነዚ ሓቂ ብጭቡጥ ዘርአየ እዩ።
ካብ ኣዲስ ኣበባ ክሳብ ባሕር ዳር፣ ካብ ጅማ ክሳብ ሃረር፣ ካብ ድሬዳዋ ክሳብ ጅግጅጋ፣ ካብ ሃዋሳ ክሳብ ኣዳማ፣ ካብ ጎንደር ክሳብ ቢሾፍቱ፣ ካብ ኣርባምንጭ ክሳብ ነቀምት፣ ካብ ኣሶሳ ክሳብ ጋምቤላ፣ ካብ ሆሳእና ክሳብ ሰመራ፣ ካብ ሶዶ ክሳብ ደሴ፣ ካብ ቦንጋ ክሳብ ዲላን ካልኦትን ከተማታትን ምስሎም እናተቐየረ፣ መልክዖም እናማዕረገ ይርከብ።
እዚ ለውጢ ምስፋሕ መገዲ ወይ ከባቢ ምምዕራግ ጥራሕ ኣይኮነን። ቦታታት መዘናግዒ ህዝቢ፣ ናይ እግረኛን ብሽክሌታን መገዲታት፣ ሓምለዋይ ቦታታትን ዘበናዊ መሰረተ ልምዓታት ከተማታት ንምንባር፣ ንስራሕን ንመዘናግዒን ዝያዳ ምቹዋት እናገበሩወን ይርከቡ።
ካብዚ ሓሊፉ ድማ ልምዓት ከተማ ንውሑዳት ሰባት ዝምቹ ከተማ ምፍጣር ዘይኮነስ ንኹሎም ዜጋታት ዝበፅሕ መካተቲ ከተማ ምህናፅ ምዃኑ ብጭቡጥ ተራእዩ ኣሎ።
ኣብ ከተማታትና ንህፃናት፣ ንኣረጋውያን፣ ንጉዱኣት ኣካልን ንኩሎም ክፋላት ሕብረተሰብን ዝምቹ ድሕነወነተን ዝተሓለወ ከተማታት ምፍጣር ቀንዲ መዐቀኒ ልምዓት ኮይኑ ኣሎ።
ኣብዚ ከይዲ ድማ ታሪኻዊን ባህላዊን ክብርታት ከተማታትና እናተሓለዉ፣ ምስ ግዚኡ ዝኸይድ ሓዱሽ ምስሊ እውን እናለበሱ ይርከቡ።
ናይ ትማሊ ታሪኽ ምስ ናይ ፅባሕ ራኢ ዘራኽቡ ከተማታት እናተሃነፁ መሰረተ ልምዓትን ኣገልግሎት ቱሪዝምን ብምምሕያሽ ንዓለም ለኸ በፃሕቲ ዝያዳ ምቹዋን ውቁባትን ኮይነን ኣለዋ።
ሎሚ እንሪአን ዝተለወጣ ከተማታት ንሎሚ ጥራሕ ዘይኮነስ ንዝመፅእ ወለዶ እንሃንፃ ዘለና ዝማዕበለት ኢትዮጵያ ሓዱሽ ገፅ እዮም።
ኢትዮጵያ ብተግባር እውን እናበረኸት ትርከብ።
ከተማታትና እንትልወጣ፣ ምስሊ ሃገርና እውን ይልወጥ። ናብራ ህዝቢና እናተመሓየሸ እንትኸይድ፣ ብራኸ ሃገርና እውን ይውስኽ። ነዚ ዓወት ንምርግጋፅ ድማ ብዝለዓለ ትግሃት ክንሰርሕ ኢና።