መልእኽቲ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ

እንኳዕ ንዓብዪ በዓል ኢሬቻ ብሰላም ኣብፅሐኩም!

ኢሬቻ ማሕበረሰብ ኦሮሞ ንዝናብን ፈተናታትን ክረምቲ ሓሊፉ፣ ተፈጥሮ ብሓምላይ ፅባቐኣን ብገልገለ መስቀል ተሸሊማ፣ እዋን ብርሃን እንትብሰር ንፈጣሪኡ ምስጋና ዘቕርበሉ ውቁብ በዓል ምስጋና እዩ።

ኢሬቻ ንዝሓለፈ ብምስጋና ዝዝክር፣ ንህሉው ብሰላም ዘኽብር፣ ንመፃኢ ድማ ብተስፋ ዝቕበል መግለፂ ሓቢርካ ምንባር እዩ። ህዝቢ ነቲ ዝተቐበሎ በረከት ምስጋና የቕርብ፤ ንሓዱሽ ዓመት እውን ሰላም፣ በረከትን ምዕባለን ክዓስል ፀሎት የቕርብ።

ኢትዮጵያ ከም ኢሬቻ ብዝበሉ ሓባራዊ ክብርታታ ተመስሪታ፣ ብዙሕነታ ናብ ሓድነት፣ ሓድነታ ናብ ዓቕሚ፣ ዓቕማ ናብ ልምዓት፣ ልምዓታ ድማ ናብ ሓባራዊ ስልጣነ ንምልዋጥ እትጓዓዘሉ መገዲ እናጠናኸረት ትርከብ።

ኢሬቻ ዘምህረና ዓቢ ትምህርቲ እውን እዚ እዩ፤ ብሓድነት እንትንቀውም ዓቕምና ይውስኽ፤ ብምትሕልላይ እንትንጓዓዝ ነቲ ናይ ነዊሕ ሕልምና ናብ ቀረባ ሓቂ የምፅኦ፤ ብሓባር እንትንንሰርሕ ንሓባራዊ ተስፋና ናብ ጭቡጥ ፍረ ንቕይሮ።

በዓላትና መበገሲኦም ሓደ ከባቢ እዩ። ብኸይዲ ግን ናይ ኩልና ኮይኖም እዮም። ንዓለም እውን ኣበርኪትናዮም ኢና። የኽብሩና፤ የተኣሳስሩና፤ የማዕብሉና።

ኢሬቻ መሰረት ሰላምና፣ ሓይሊ ሓቢርካ ምንባርናን ሓባራዊ ፅባሕናን ብዝበለፀ ዝበርሀሉ በዓል ይኹን!

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዪህዝቢ #ዓብዪራኢ

 

 

Comments (0)
Add Comment