መልእኽቲ  ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ”ሉኣላዊነት ሓበሬታ ንናፅነት ፖሊሲ” ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ዝተሰናደአ ሃገራዊ ጉባኤ ብምርካብ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ኣብ መደረኦም ከምዝገለፁዎ፣ ሓበሬታ ልክዕ ከም ወርቂ ክባር ሃፍቲ ሃገር ካብ ምዃኑ ሓሊፉ ጥንኩር ሃገረ መንግስቲ ንምህናፅ ከምኡ እውን ሉኣላዊነት ሓበሬታን ፖሊሲን ንምርግጋፅ ቁልፊ ኢዩ ክብሉ ገሊፆም።

ካብ ካልኦት ብዝርከብ ሓበሬታ ሙሉእ ንሙሉእ ተደጊፍካ ናፅነት ፖሊሲ ዘስእንን ልክዕ ምዃኑ ስለ ዘጠራጥርን፣ ናይ ባዕልኻ ሓበሬታ ብደቂ ሃገር ምእካብን ምትንታንን ልዑል ሃገራዊ ኩርዓትን ውሑስን ከምዝኾነ ተዛሪቦም። ነዚ ድማ ፍልፍላት ዳታ ምብዛሕን ሕድሕዶም ብምንፅፃርን ፅፁይን ዝዘመነን ስርዓረት ሓበሬታ ምዝርጋሕ ንዕቤት ወሳኒ ግደ ዝፃወት ኢዩ። ካብዚ ብተወሳኺ እዚ ፅሬትን ተበፃሕነትን ብዝለዓለ ደረጃ ንምርግጋፅ አብዚ ሕዚ እዋን ቴክኖሎጂ ኣርቴፊሻል ኢንተሌጀንስ (AI) ብትካላት ውልቀን መንግስቲን ብዕምቆት ምጥቃም ኣድላዪ ከምዝኾነ ኣፅንንኦት ብምሃብ ተዛሪቦም።

#PMOEthiopia

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment