ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንልምዓትን ምዕባለን ሃገርና ይጠቅም እዩ ዝበልዎ ፖለቲካ ፓርቲ ድምፆም ንምሃብ ተዳሊና ኢሎም፡፡
ኣብ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ተመዝጊቦም ካርዲ ዝረኸቡ ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ካርዲ ካብ ዝወሃቦም ኣትሒዞም መዓልቲ መረፃ ይፅዩ ከምዘለው ገሊፆም፡፡
ብተወሳኺ ኣብ መረፃ ካርዶም ንልምዓትን ምዕባለን እታ ሃገር ጋህዲ ብምግባር ዝሰርሕ ውድብ ንምምራፅ ድልዋት ምዃኖም ገሊፆም።
ኣብ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ድምፂ ምሃብ ዘኽእሎም ምድላዋት ከምዝገበሩ፤ እዚ መረፃ ንጥንኹር ህንፀት ሃገር ወሳኒ እዩ ክብል ካብ ግዜኢ ዝተረከበ ሓበሬታ የረድእ፡፡
ካርዲ መረፃ ብምውሳድ ንሃገርና ይጠቅም እዩ ዝበልዎ ውድብ ንምምራፅ ድምፂ ንምሃብ መዓልቲ ድምፂ ይፅበዩ ከምዘለዉ እውን ኣረጋጊፆም።