ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) መራሒ መንግስቲ ጀርመን ፍሬድሪክ ሜርዝ ኢራን ብቕልጡፍ ናብ ድርድር ዘተ ክትምለስ ኣለዋ ኢሎም፡፡
ፍሬድሪክ ሜርዝ ምስ ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ብስልኪ ከምዝተዛተዩ ብምሕባር፤ ኣብ ዘትኦም ኢራን ናብ ድርድር ክትምለስ ከምዘለዋ ከምዝተረዳኡ ገሊፆም።
ብተወሳኺ ቴህራን በዓልቲ ዋና መሳሒታት ኹናት ኒዩክለሌር ክትኾን ከምዘይብላ ተስማዕሚዕና ኢሎም፡፡
ኢራን ወሽመጥ ሆርሙዝ ክትከፍቶ ከምዘለዋ እውን ኣፅንኦት ሂቦም ምስምዕመዖም ኣልጀዚራ ፀብፂቡ።
ብዮናስ ጌትነት