ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶኒዮ ጉቴሬዝ ኣፍሪካ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት መንግስታት ቀዋሚ ወንበር ንኽህልዋ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ኣብ ኒውዮርክ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ መበል 81 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት መንግስታት መደረ ዘስምዑ ኣንቶኒዮ ጉቴሬዝ፤ ኣብ ዓለም ለኸ ፀፅታን ድሕነትን ኣብ ዝውስን ቤት ምኽሪ ፀጥታ ኣፍሪካ ውክልና ዘይምርካባ ፍትሓዊ ኣይኮነን ኢሎም።
ኣብ 1945 ዝተመስረተ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ዝተዓወታ ሃገራት ብፀብለልታ ከምዝቆፃፀረኦ ብምሕባር ኣፍሪካውያን ግን መስረትቲ እቲ ሕብረት እኳ እንተኾኑ ኣብቲ ቤት ምኽሪ ቀዋሚ ውክልና ከምዘይብሎም ኣብሪሆም።
ኣብቲ 15 ኣባላት ዘለውዎ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሓሙሽተ ሃገራት ቀወምቲ ኣባላት ኮይነን ድምፂ ብድምፂ ናይ ምስዓር መሰል ዘለወን፤ ከምኡ እውን ካልኦት 10 መቐመጢታት ንኽልተ ዓመት ብዝፀንሕ ዘበነ ስራሕ ዝምደቡ ኣባላት ከምዝኾኑ ፀሮሖም።
ኣፍሪካ ኣብቲ ቤት ምኽሪ እትሳተፍ ብግዝያዊ ውክልና ከምዝኾነ ዝሓበሩ እቶም ዋና ፀሓፊ፤ በዚ ምኽንያት ድማ ኣፍሪካ ቀዋሚ ውክልና ምስ ዘለወን ሃገራት ማዕረ ናይ ምውሳን ዕድል ክትረክብ ከምዘይከኣለት ገሊፆም።
ኣፍሪካ ብቑፅሪ ህዝቢ፣ ብፖለቲካዊ ፅልዋን ኢኮኖሚያዊ ዕቤትን ልዑል ዕቤት እኳ እንተመዝገበት፣ ብሓያላን ዝዝወሩ ዓለም ለኸ ትካላት ግን ወሳኒ ግደ ተኸሊኣ እያ ምባሎም ቻናል ኣፍሪካ ፀብፂቡ።
ኣፍሪካ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት መንግስታት ቀዋሚ ወንበርን መሰል ድምፂ ምሃብን ንኽህልዋ ንኢትዮጵያ ሓዊሱ ሕብረት ኣፍሪካን ኣባል ሃገራቱን እናሓተታ ይርከባ።
ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ ብመሰረት ሰነድ ሓሳብ ኤዙልዌኒ (Ezulwini Consensus)፤ ኣፍሪካ እንተወሓደ ክልተ ቀወምቲ ወናብርን ክልተ ተለዋወጥቲ ወይ ግዚያዊ ወናብን ክህልዋ ከምዝግባእ እቲ ሕብረት ውሳነ ምሕላፉ ይዝከር።
ብሚኪያስ ኣየለ