ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣሜሪካ ንኣባል ሃገራት ሰላጤ ንብረት ንዝኾኑን ብመጥቃዕቲ ኢራን ጉድኣት ዝበፅሖምን መሰረተ ልምዓት ሓይሊ ዳግማይ ንምህናፅ ዝውዕል 5 ቢልዮን ዶላር ፈንድ ዕላዊ ገይራ።
ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ ዕላዊ ዝገበሮ ፈንድ ዳግመ ህንፀት፤ ሃገራት ሰላጤ መፃረዪታት ነዳዲ ሓዊሱ መሰረተ ልምዓት ሓይሊ ዳግማይ ብምህናፅ ድሕንነት ቀረብ ሓይሊ ንምርግጋፅ ከምዘኽእል ተሓቢሩ።
ካብዚ ብተወሳኺ እቲ ድጋፍ ብሰንኪ ምዕፃው መተሓላለፊ ወሽመጥ ባሕሪ ሆርሙዝ ንሃገራት ዝበፅሐን ምትእጉጓልን ፅዕንቶን ሓይሊ ንኽንክያ ዝሕግዘን እዩ ተባሂሉ።
ብፍላይ በቲ ሓገዝ ኣየንአን ሃገራት ክካተታ ከም ዘለወን ከምኡ እውን ኣየንኡ መሰረተ ልምዓት ሓይሊ ቀዳምነት ክወሃቦ ከምዝግባእ ዘተ ይካየድ ከም ዘሎ ተገሊፁ።
እቲ ውሳነ ድሕነት ቀረብ ነዳዲን ሓይልን እተን ሃገራት ከረጋግፅ ከምዝኽእል እኳ እንተተገለፀ፤ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ዘሎ ምትእትታው ቀረብ ሓይሊ ግን ብዘላቕነት ክፈትሖ ከምዘይኽእል ተመልኪቱ።
መዕለቢ ዘይረኸበ ኩናት ኢራንን ኣሜሪካን፤ ምምሕዳር ትራምፕ ዝገበሮ ሓገዝ ኣሜሪካ ምስ ሃገራት ሰላጤ ዘለዋ ርክብ ከጠናኽር ከም ዝኽእል ምሕባሩ ዎል ስትሪት ጆርናል ፀብፂቡ።
ኣሜሪካን እስራኤልን ኣብ ኢራን ዝኸፈትኦ ኩናት ስዒቡ፤ ኢራን ጦር ሰፈር ኣሜሪካ ኣብ ዝርከበለን ሃገራት ኣብ ልዕሊ መሰረተ ልምዓት ሓይሊ መጥቃዕቲ ምፍፃማ ይፍለጥ።
ስዑድ ዓረብ፣ ኳታር፣ ሕቡራት ዓረብ ኤምሬታት፣ ዮርዳኖስ፣ ባህሬንን ኦማንን፤ ብመጥቃዕቲ ኢራን ኣብ ልዕሊ መሰረተ ልምዓት ሓይሊ ልዐል ጉድኣት ዝበፅሐን ሃገራት እየን።
እዘን ሃገራት ኢራን ኣብ መሰረተ ልምዓት ሓይሊ ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ብምፍፃማ ዝኾነና እንትኾና፤ ብተመሳሳሊ ኣሜሪካ ኣብ መሰረተ ልምዓት መጥቃዕቲ ንኸይፍፀም ዘኽእል ምድላው ቅድመ ኩናት ኣይገበረትን ብምባል ቅርታአን ምግላፀን ይዝከር።
ብሚኪያስ ኣየለ