መበል 19 ብሄራዊ መዓልቲ ሰንደቕ ዓላማ ኣብ ዝቕፅል ሰኑይ ክኽበር እዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)መበል 19 ብሄራዊ ሰንደቕ ዓላማ ኣብ ዝቕፅል ሰኑይ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ኣብ ዝተረኸቡሉ ብድምቀት ክኽበር እዩ፡፡

እቲ ዕለት “ሰንደቕ ዓላማና ንብሄራዊ ምርድዳእን ሕድነትናን” ብዝብል መሪሕ ቃል ከምዝኽበር ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ፡፡

እቲ በዓል ኢትዮጵያውያን ወሰንን ክብሪን ሃገር ንምሕላው ደምና ረሃፆምን ኣፍሲሶም፣ ዓፅሞም ሓምሺሾም ዘኽበሩዎ ሰንደቅ ዓላማ ብሓባር ዝኽበረሉ እዩ፡፡

ብምዃኑ ድማ መዓለቲ ሰንደቕ ዓላማ እዚ ዓመት ንኣተሓባባራይነት እቲ ባይቶ ኣብ መላእ ሃገር እዋናዊ ሃገራዊን ህሉውን ኩነታታት ብዘገናዘበ መልክዑ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ክኽበር እዩ፡፡

ኣብቲ ዕለት ፕሬዚዳንት ታየ ኣፅቀ ስላሴ ብማርሽ ባንድ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብክብተሪ ተዓጂቦም ሰንደቕ ዓላማ ናይ ምስቃል ስነ ስርዓት ከካይዱ እዮም፡፡

እዚ በዓል ኣብ መላእ ሃገር ኣብ ዝርከባ ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን፣ ኣቢያተ ዕዮ መንግስቲ፣ ኣቢያተ ትምህርቲ፣ ኣብ ወፃኢ ሃገር ኣብ ዝርከባ ኤምባሲታትን ቆንስላታትን ኢትዮጵያ ብተመሳሳሊ ሰዓት ከምዝኽበር ብድምቀት ከምዝኽበር ሓበሬታ እቲ ባይቶ ኣመልኪቱ፡፡

#መንግስቲመደመር

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment