ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሚያዝያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) መበል 24 ውድድር ብሚስ ወርልድ ኢትዮጵያ ኣሰናዳኢነት ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ፡፡
ሚኒስትር ዲኤታ ባህልን ስፖርትን ነብዩ ባዬ ኣብቲ እዋን ከምዝበልዎ፡-ፅባቐን ቁንጅናን ብሰብኣዊ ይኹን ብመልክኣ ምድራዊ መልክዕ ኢትዮጵያ ዝገልፅ ሃፍቲ እዩ።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ፀጋ፣ ባህልን ሃገራዊ ክብርታትን ኢትዮጵያ ብደቁ ክግለፅን ብዓለም ክረአን ዕድል ዝፈጥር ምዃኑ ሓቢሮም።
ንዝሓለፉ 24 ዓመታት ብሚስ ወርልድ ኢትዮጵያ ዝተዳለወ ውድድር ፅባቐን ኩለመዳያዊ መልክዕ ኢትዮጵያ ንዓለም ከም ዘላለየ ኣዘኻኺሮም።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብቲ ውድድር ዝተዓወተት ሞዴል ሃሰት ደረጀን ኣበርክቶ ብምዝካር፤ተወዳደርቲ ንኢትዮጵያ ንምልላይ ሓላፍነት ከም ዘለዎም ኣገንዚቦም።