ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) መበል 5ይ ዓለም ለኸ ጉባኤ ማሕበረሰብ ጥዕና ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንምትእንጋድ ኣድላይ ምድላው እናተገበረ ከም ዝኾነ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደስ ዳባ ገሊፀን።
ሚኒስትር ዶክተር መቅደስ ዳባ፤ ምድላው ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ መበል 5ይ ዓለም ለኸ ጉባኤ ማሕበረሰብ ጥዕና ኣፍሪካ ብዝምልከት ንመራኸብቲ ሓፋሽ መግለፂ ሂበን።
ኣብ መግለፂአን፤ እቲ ብምትሕብባር ሚኒስቴር ጥዕናን ማእኸል ምክልኻልን ምቁፅፃርን ጥዕና ኣፍሪካ (African-CDC)ን ዝተዳለወ መበል 5ይ ዓለም ለኸ ጉባኤ ማሕበረሰብ ጥዕና ኣፍሪካ ካብ 14-18 ሕዳር 2019 ዓ/ም ከም ዝካየድ ኣፍሊጠን።
ኢትዮጵያ ማእኸል ሕብረት ኣፍሪካ፣ ማእኸል ምክልኻልን ምቁፅፃርን ጥዕና ኣፍሪካን ዓለም ለኸ ዲፕሎማሲን ብምዃና እቲ ጉባኤ ንክተዳልው እቲ ዕድል ከም ዝተውሃባ ተዛሪበን።
እቲ ጉባኤ፤ “ድሕንነትን ሉኣላዊነትን ጥዕና ኣፍሪካ”፤ ካብ ፅግዕተኛነት ን ተቓላዕነትን ጥዕና ናብ ዋንነትን ዓቕሚ ምፅዋርን ምስግጋር”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ከም ዝሳለጥ ሓቢረን።
ኢትዮጵያ እውን እቲ ጉባኤ ብዓወት ብምትእንጋድ ኣብቲ ዓውዲ ዝተረኸቡ ልምድን ተሞኩሮታትን ንኣህጉራውን ዓለም ለኻውን ትካላት ንምግላፅ ከም ትጥቀመሉ ኣረዲአን።
ዋና መሪሕ ሓሳብ እቲ ጉባኤ ድሕሪ ለበዳ ኮቪድ-19 ኣብ ኣፍሪካ ኣብ ጥዕና ዓርስኻ ምኽኣል፣ጥንካረ ስርዓት ጥዕናን ዓቕሚ ምክልኻል ለበዳን ኣብ ምዕባይ ትኹረት ዝገበረ እዩ ኢለን።
ኣፍሪካ ኣብ ዓውዲ ጥዕና ናይ ባዕላ ዓቕሚ ብምጥንኻር፣ ኣብ ሳይንሳዊ ምርምር፣ ቴክኖሎጅን ኣህጉራውን ምትሕብባርን ኣብ ዓውዲ ጥዕና ዘለውዋ ፀገማት ባዕላ ንምፍታሕ ዘኽእላ ዓቕሚ ምዕባይ ትፅቢት ከም ዝግበር ኣመላኺተን።
ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 29 ሽሕ ኣብቲ ጉባኤ ንምስታፍ ከም ዝተመዝገቡ ብምግላፅ፤ ከባቢ 30 ሽሕ ተሳተፍቲ ትፅቢት ከም ዝግበር ገሊፀን።
ምድላው እቲ ጉባኤ ምስ ዓውዲ ጥዕና ጥራሕ ዘይኮነስ ምስ ትራንስፖርት፣ ሎጂስቲክስ፣ ድሕንነት፣ ቱሪዝምን ካልኦት ዓውድታን ብዝተዋደደ እናተሳለጠ ከም ዝኾነ ሓቢረን።