መንገዲ ኢኮኖሚያዊ ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ብመሪሕነት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ናይ ኢትዮጵያ ፖሊሲ ወፃኢን ዲፕሎማሲን መሰረታዊ ለውጢ እናገበረ ይርከብ።

ሓዱሽ ኣንፈት ኢኮኖሚያዊ ዲፕሎማሲ መንግስቲ መደመር ኣብ መንጎ ህዝብታትን ሃገራትን ዘሎ ርክብ ብምጥንኻር፤ ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ኣብ ምስሓብን ርክባት ንግዲ ኣብ ምስፋሕን ልዑል ትኹረት ዝህብ እዩ።

ብፖሊሲ ሴንተር ፎር ዘ ኒው ሳውዝ ዝተገበሩ መፅናዕትታት ከምዘመላሕታ፤ እታ ሃገር ብፍልስፍና መደመር ዝተኻገዘ ዘላቒ ኢኮኖሚያዊ ዕቤት ንምምዝጋብን መዋቕራዊ ምምሕያሻት ንምትግባርን ኣብ ዝገበረቶ ፃዕሪ ውፅኢት ኣመዝጊባ እያ።

እዚ ኣካይዳ ኢትዮጵያ ካብ ልሙዳት መሻርኽቲ ልምዓት ሓሊፋ ሓደሽቲ ናይ ሓባራዊ ተጠቃምነት መድረኻት ንኽትፈጥር ዘኽኣላ እንትኸውን፤ እዚ ድማ ሉኣላውነት ኢኮኖሚን ዘላቒ ምዕባን እታ ሃገር ንምርግጋፅ ዝሕግዝ እዩ።

ዋና ዕላማ ናይዚ ኢኮኖሚያዊ ዲፕሎማሲ ድማ ውሽጣዊ መፍረያይነት ምዕባይ፣ ምርካብ ሸርፊ ወፃኢ ምዕባይን ዞባዊ ምትእስሳር ኢኮኖሚ ምጥንኻርን እዩ።

ብትካል ምርምር ኢፍሪ ኣብ ዝተኻየዱ ዋዕላታት ፖሊሲ ከምዝተሓበረ፤ ናይ መንግስቲ ኢንተርፕራይዛት ናብ ውልቀ ዘፈር ምስግጋርን ዕዳጋ ክፍቲ ናይ ምግባርን ስጉምትታት ንወፃኢ እንቨስተራት ንምስሓብ ልዑል ኣስተዋፅኦ ኣበርኪቶም እዮም።

ብተመሳሳሊ መልክዑ፣ ኢትዮጵያ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት እወንታዊ ዝምድና ንግዲ ብምፍጣር፣ ኣባል ሃገራት ብሪክስ (BRICS+) ብምዃንን ኣማራፂ ኣፍደገ ባሕሪ ብምእላሽን ዞባዊን ዓለም ለኻዊን ፅልዋኣ እናዕበየት ትርከብ።

ብኦክስፎርድ ኣካዳሚክ ዝተኻየደ ትንተና ድማ፣ ናይ ቀይሕ ባሕሪ ዞባ ጂኦ-ፖለቲካዊን ኢኮኖሚያዊን ኣገዳስነት ንኢትዮጵያ በሪ ባሕሪን ምትእስሳር መሰረተ ልምዓትን ዲፕሎማሲ ልዑል ትኹረት ገይሩ እዩ።

ብኻልእ መዳይ ዓወት ናይ ኢኮኖሚያዊ ዲፕሎማሲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ምስ ዝካየዱ ዘላቒ መመሓየሺታት ኢኮኖሚ ቀጥታ ርክብ ኣለዎ።

ዲፕሎማሲ መደመር ኣርባዕተ ዋና ዋና ዓምዲታት ንጡፍ ዲፕሎማሲ፣ ኣማራፂታት መርበብ ሽርክነት፣ ተላማዲ ዲፕሎማሲን ኣጀንዳ ምሕንፃፅን፣ ነታ ሃገር ካብ ፅልዋ ተቐባላይነት ናብ ንጡፍ ፅልዋ ፈጣራይነት ኣሰጋጊሮምዋ እዮም።

ናይ ኢትዮጵያ ቁጠባዊ ዲፕሎማሲ ነታ ሃገር ካብ ፅግዕተኛነት ብምንጋፍ ናብ ናፃንፃእሳ ዝኸኣለት ሓያል ዝለዓለ ኢኮኖሚ ዘለዋ ሃገር ንምስግጋር ዝዓለመ ስትራቴጂካዊ መገዲ እዩ።

ብኣብረሃም ኣበራ

Comments (0)
Add Comment