መንግስቲ ናይ ምምስራት ዕድል ዝተውሃበ ፓርቲ ዝተነበረሉ ሓደራ ብዝምጥን ቁመና ከገልግል ኣለዎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መምህራን ዩንቨርስቲ መደወላቡ ድምፂ ህዝቢ ዝረኸበን መንግስቲ ናይ ምምስራት ዕድል ዝተውሃበን ፓርቲ ዝተነበረሉ ሓደራ ብዝምጥን ቁመና ከገልግል ኣለዎ ኢሎም።

ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ትማሊ ዕላዊ ኣብ ዝገበሮ ውፅኢት 42 ፓርቲታት ፖለቲካ ኣብ ዝተሳተፍሉ መበል ሻውዓይ ሓፈሻዊ ምርጫ 17 መቐመጢ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ረኺቦም ኣለዉ።

ፓርቲ ብልፅግና ልዑል ድምፂ ብምርካብ ኣብ ወርሒ መስከረም ሓዱሽ መንግስቲ ናይ ምምስራት ዕድል ምርካቡ እቲ ቦርድ ኣፍሊጡ።

ነዚ ጠመተ ብምግባር ምስ ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ፃንሒት ዝገበሩ መምህራን ዩንቨርስቲ መደወላቡ፥ መንግስቲ ናይ ምምስራት ዕድል ዝተውሃበ ፓርቲ ዝተነበረሉ ሓደራ ብዝምጥን ቁመና ከገልግል ኣለዎ ኢሎም።

መምህር ካሚል ከምዝበልዎ፥ እቲ ሓፈሻዊ ምርጫ ብመረፅቲ፣ ተሳተፍቲን ተነሓናሕቲ ፓርቲታት ፖለቲካን ቁፅሪ እንትረአ ካብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ኣዝዩ ዝሓሸን ሰለማዊን ነይሩ ክብሉ ገሊፆም።

እቲ ምርጫ ኢትዮጵያ ናብ ዴሞክራሲ ንክትሰጋገር ልዑል ተስፋ ዝሃበ ከምዝነበረ እውን ተዛሪቦም።

መምህር ሙጂብ ዓብደላ ብግደኦም፥ ኣብቲ ሕገ መንግስቲ ብመሰረት ዝተደንገገ በዓል ዋና ስልጣን ዝኾነ ህዝቢ ብበዝሒ ወፂኡ ዝደለዮ ዝመረፀሉን ኢትዮጵያዊያን ዝተዓወትሉን ከይዲ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።

ስለዝኾነ ልዑል ድምፂ ህዝቢ ዝረኸበን መንግስቲ ናይ ምምስራት ዕድል ዝተውሃቦን ፓርቲ ብልፅግና ዝተነበረሉ ልዑል ሓደራን ሓላፍነትን ብዝምጥን ኩነታት ንህዝቢ ብቕንዕና ከገልግል ይግባእ ክብሉ ገሊፆም።

ሕቶ ህዝቢ ብእዋኑ ምምላስን ልዕልነት ሕጊ ምርግጋፅን ከምዝግባእ ዝገለፃ ድማ መምህርት መቅደስ መስፍን ኢየን።

ብዮናስ ጌትነት

Comments (0)
Add Comment