ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)7ይ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ 1ይ ዓመት ዘበን ስራሕ 4ይ ስሩዕ ጉባኤኡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸቡሉ ምክያድ ጀሚሩ፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ካብ ኣባላት እቲ ባይቶ ንዝለዓሉ ሕቶታትን ርኢቶታትን ምላሽን መብርሂን ክህቡ እዮም፡፡
እቲ ባይቶ ኣብቲ ጉባኤ ቅዋም መንግስቲ ምስ ሰምዐ ናይ ድጋፍ ሞሽን ከምዘፅድቕ ካብቲ ባይቶ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
ኣብቲ ጉባኤ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ኣምባሳደራት ዝተፈላለያ ሃገራት፣ ተፀዋዕቲ ዓለም ለኸ ትካላት፣ ኣቦታት ሃይማኖት፣ ዓበይቲ ዓዲ፣ ኣመራርሓ ተናሓናሕቲ ፓርቲን ዕድመ ዝተገበረሎም ካልኦት ኣጋይሽን ብሕብሪ ጋሳ ተረኺቦም።
ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን እውን ብኩሎም ኣማራፂታት ቴሌቪዥን፣ ሬዲዮን ዲጂታል ሚዲያን ሙሉእ ከይዲ እቲ ጉባኤ ብቐጥታ ፈነወ እናመሓላለፈ ይርከብ።