መንግስቲ እቲ ለውጢ ዓሞቕቲ ዝኾኑ ሪፎርምታት ሚድያ ኣካይዱ – ወ/ሮ ሃይማኖት ዘለቀ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሚያዝያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) መንግስቲ ለውጢ ዓሞቕቲ ዝኾኑ ሪፎርምታት ሚድያ ኣካይዱ ኢለን ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ሃይማኖት ዘለቀ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኽብሉ “ውፅኢት ሚድያ ንህንፀት ያታ” ብዝብልመሪሕ ሃገራዊ መድረኽ ዘተ ምክያድ ጀሚሩ።
እተን ዋና ዳይሬክተር ኣብቲ እዋን ከምዝበልኦ፤ ቅድሚ ለውጢ ትካላት ሚድያ ዘርፈ ብዙሕ ጉድለታት ከምዝነበረን፤ ካብዚኦም ብውሕዱ ስብራት ፖሊሲን ማዕቀፍን፣ መዋቕራዊ ኣወዳድባ፣ ትካላዊንን ሞያውን ስነ-ምግባር ዘጠቓልሉ እዮም።
መንግስቲ እቲ ለውጢ ነዞም ስብራታት ንምፍታሕ ዓሞቕቲ ዝኾኑ ሪፎርምታት ሚድያ ተካይዱ አለን፡፡
እቲ ሪፎርም ካብ ዘዐወቶም ለውጥታት ውሽጢ ንቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ተሓታቲ ዝኾነ በዓል መራኸብቲ ሓፋሽ ምጥያሽ፣ መራኸብቲ ሓፋሽ ዓርሰን ብዓርሰን ምሕደራ ሚድያ ምፍጣር፣ ከምኡ እውን እቲ ዓውዲ ባዕሉ ክቆፃፀር ዘኽእል ሞያዊ ማሕበራት ምስፍሕፋሕ ኣገደስቲ ምኳኖም ገሊፀን።
እዞም ሪፎርምታት ቅኑዓት ውሳነታት ብምዃኖም በዞም ዝስዕቡ ቁፅራዊ ዓወታት ተዓጂቦም ኢለን።
ብዝሒ መራኸብቲ ሓፋሽ ቅድሚ ለውጢ ካብ ዝነበረ 122 ናብ 310 ክብ ኢሉ።
ጣብያታት ሬድዮ ቅድሚ ለውጢ ካብ 52 ናብ 126 ወሲኾም፤
ጣብያታት ቴሌቪዥን ቅድሚ ለውጢ ካብ 25 ናብ 128፤
ተበፃሕነት ቋንቋ መራኸብቲ ሓፋሽ ቅድሚ ለውጢ ካብ 39 ናብ 60 ወሲኹ፤
ኣብ ሃዋህው ሚድያ ኢትዮጵያ ሓቛፊነት ኣብ ምፍጣር ዝተረኸበ ዓወት 35 ናይ ወፃኢ ሚድያታትን 50 ማሕበረሰባዊ ሚድያታትን ዝጭበጡ ኣብነታት ምዃ‎‎ኑ ሓበሬታ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ።
ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment