ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) መንግስቲ እንግሊዝ ዓውዲ ኣቪዬሽ ንምዝማን ዝገበሮ ሓገዝ ቴክኖሎጂ ንሓባራዊ ድሕነት ንምርግጋፅ ዝሕግዝ እዩ ኢሎም ምክትል ዳይሬክተር ብሄራዊ ኣገልግሎት ደሕንነትን መርበብ ሓበሬታን ጀነራል ሲሳይ ቶላ (ዶ/ር)፡፡
መንግስቲ እንግሊዝ ዓውዲ ኣቪዬሽ ንምዝማን ዝገበሮ ልዕሊ 25 ሚሊየን ብር ዘውፅእ ሓገዝ ቴክኖሎጂ መርሃ ግብሪ ኣብ ዋና መምርሒ ኣቪዬሽን ደሕንነት ብሄራዊ ኣገልግሎት ደሕንነትን መርበብ ሓበሬታን ተካይዱ፡፡
እቲ ኣገልግሎት ንፋና ዲጂታል ኣብ ዝልኣኾ ሓበሬታ እቲ መርሃ ግብሪ ብኣምባሳደር እንግሊዝ ኣብ ኢትዮጵያ ዳረን ዌልች ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ከምኡ እውን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ብሄራዊ ኣገልግሎት ደሕንነትን መርበብ ሓበሬታን ኣብ ዝተረኽብሉ እዩ ተካይዱ።
ኣብቲ እዋን ምክትል ዳይሬክተር እቲ ኣገልግሎት ጀነራል ሲሳይ ቶላ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ከምዝገለፅዎ፤ እቲ ደገፍ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን እንግሊዝ ዘሎ ሓባራዊ ድሕነት ንምርግጋፅ ምትሕብባርን ምሕዝነትን ዘርኢ እዩ።
እቲ መርሃ ግብሪ ንነዊሕ እዋን ዝፀንሐ ምሕዝነት ኢትዮጵያን እንግሊዝ ወሳኒ ምዕራፍ ምዃኑ ብምግላፅ፤ኣብ ዓውዲ ኣቪዬሽን ዘመናዊ ንምግባር ዝወሃብ ዘሎ ናይ ቴክኖሎጂ ደገፍ ብምትሕብባር ክንሰርሕ እንከለና ክንበፅሖ እንኽእል ዓወታት ዘርኢ እዩ ኢሎም።