መንግስቲ ፅዕንቶ ናብራ ዜጋታት ንምንካይ ብዙሕ ቢሊየን ብር ብምምዳብ ቀረብ ነዳዲ የቐፅል ኣሎ – ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መንግስቲ ፅዕንቶ ናብራ ዜጋታት ንምንካይ ብዙሕ ቢሊየን ብር ብምምዳብን ኩሎም ኣማራፂታት ፀንቂቑ ብምጥቃምን ቀረብ ነዳዲ የቐፅል ኣሎ ኢሉ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ፡፡

እቲ ኣገልግሎት ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፤ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ መሰረታዊ ጠለባት ርእሳ እተማልእ ሉኣላዊት ሃገር ንምፍጣር ፖሊሲ ሓንፂፁ እናሰርሐ ከምዝርከብ ኣብሪሁ።

ብፍላይ ካብ ፅግዕተኝነት ነዳዲ ንምንጋፍ ኣቀዲሙ ናብ ስራሕ ምእታዉ ኣብ ሀገር ከጋጥም ዝነበረ ዝኸፍአ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊ ቅልውላውን ብመንፅር ካልኦት ሃገራት ብልዑል ብርኪ ክንኪ ክኢሉ ኢሉ።

ዋላ እኳ ሙሉእ ብሙሉእ ካብ ፅህዕተኝነት ነዳዲ ንምንጋፍ ጋና ሰፊሕ ፃዕሪ መንግስቲን ዘፈር ውልቀን ይሕተት እምበር ኣብ ዝሓለፉ ሸሞንተ ዓመታት ኣብ ቀረብ ዓውዲ ዝሕደስ ሓይሊ ዝተሰርሐ ስራሕ ሕዚ ዘሎ ቅልውላው ንምፅዋር ኣዚዩ ከምዝሓገዘ ኣፍሊጡ፡፡

ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ሙሉእ ብሙሉእ ካብ ፍልፍላት ዝሕደስ ሓይሊ ዝርከቡ ኢዮም ዝበለ እቲ መግለፂ፤ ኣብ ቀፃሊ ካብ ተወሰኽቲ ፍልፍላት ዝሕደሱ ሓይሊታት ማለት እውን ካብ ሓይሊ ጂኦተርማልን ኑክሊየርን ብምፍልፋል ድሌት ኢትዮጵያ ብተኣማምን ደረጃ ንምምላእ እናተሰርሐ ከምዝርከብ እውን ኣፍሊጡ፡፡

“ፍልፍላት ሓይሊና ዝሕደስ ምግባርና ሕዚ ካብ ዘጋጠመ ዓለም ለኸ ሕፅረት ነዳዲን ናህሪ ዋጋን ተተሓሒዙ ከጋጥም ዝኽእል ዝነበረ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ሃገርና ፅዕንቶ ንምንካይ ክኢልና” ኢሉ፡፡

በዞም ፃዕሪታት ሕዚ ንዘጋጠመ ዓለም ለኸ ቅልውላው ኣብ ዜጋታት ዝኸፍአ ጉድኣት ከየብፅሕ ንምሕላው ቅድም ክብል እናተገበሩ ካብ ዝነበረ ፃዕሪ ብተወሳኺ በቢወርሑ 20 ቢሊዮን ብር ብምምዳብን ዝተፈላለዩ ኣማራፂታት ብምጥቃምን ቀረብ ነዳዲ ከቐፅል ክኢሉ ኢሉ።

Comments (0)
Add Comment