ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሚያዝያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ፓርክ ኣፍሪካ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተሃነፀ መዘኸርታ ሓወልቲ ስነ ጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ተመሪቑ፡፡
እቲ መዘኸርታ ሓወልቲ ብከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ብዕሊ ተመሪቑ።
ኣብቲ ምረቓ መርሃ ግብሪ ሰብ መዚ መንግስትን ስነጥበባውያንን ተረኺቦም።
እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ገፀ ኣብ ዘሕለፍኦ መልእኽቲ፤ በዓል ውዕለታ ሃገር ዝኾኑ ብጥበብ ሞያኦም ንሃገሮም ኢትዮጵያ ዝበርዎ ግደ ኣብ ከተማና ኣዲስ ኣበባ መዘኸርታ ሓወልቲ ተነቢሩሎም ኢለን፡፡
ኣብ መልኽተን ጥበብ ሃገር ትሃንፅ፤ ሃገር ጠቢባን ተኸብር ኢለን፡፡
ብዙፋን ካሳሁን