ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)መገዲ ኢትዮጵያ ኣየር ካብ ትካል ቁፅፅር ፅሬት ኢትዮጵያ ሽልማት ኣፍልጦ ረኺቡ።
እቲ መገዲ ኣየር ኣብ ፅገና ነፈርቲ፣ ኣብ ካርጎን ሎጂስቲክስን፣ ኣብ ሆቴል፣ ኣብ ምዝገባ በረራን ኣብ ኣገልግሎት ዓማዊልን ዘርፍታት ዘርኣዮ ዝለዓለ ብቕዓት ብምምስካሩ ኣብ መበል 13 ዙር ሃገራዊ ውድድር ፅሬት ኢትዮጵያ እዩ እቲ ናይ ኣፍልጦ ሽልማት ተዋሂቡዎ።
እቲ ሽልማት ኣፍልጦ፤ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኩሉ ግዜ ንዝለዓለ ኣፈፃፅማን ኣህጉራዊ ደረጃኡ ዝሓለወ ኣገልግሎት ንምሃብን ዘለዎ ቆራፅነት ዘርኢ እዩ።