መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ፍሉይ ምርኢት ኣውሮፕላን ኣካይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ መበል 80 ዓመት በዓል ምስረታ ምኽንያት ብምግባር ሎሚ መዓል ፍሉይ ምርኢት ኣውሮፕላን ኣካይዱ።

እተን ኣውሮፕላናት ንምርኢት ህዝቢ ዝቐርባሉ ትርኢት ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር)ን ዋና ፈጻሚ ስራሕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ መስፍን ጣሰው ኣጀሚሮምዎ።

እቲ መርሃ ግብሪ መበል 80 ዓመት በዓል ምስረታ እቲ መገዲ ኣየር ምስ ዓማዊልን ዝተፈላለዩ ክፋላት ማሕበረሰብን ንምኽባር ዝዓለመ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝሓለፉ 80 ዓመታት ኣብ ዓውዲ ኣቪዬሽን ሃገራትን ባህሊታትን ኣብ ምርኻብ ዘሎ ግደን ዝሃቦ ኣገልግሎትን ንምኽባር ዝዓለመ ከምዝኾነ እቲ ትካል ኣፍሊጡ።

ብመሳፍንት ብርሌ

Comments (0)
Add Comment