ሚኒስቴር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ንህንፀት መዕርፎ ነፈርቲ ቢሾፍቱ ዝውዕላ 92 ገልበጥቲ ናይ ኤሌክትሪክ መኻይን አእትዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስቴር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ንህንፀት ፕሮጀክት መዕርፎ ነፈርቲ ቢሾፍቱ ዝውዕላ 92 ገልበጥቲ ናይ ኤሌክትሪክ መኻይን አእትዩ፡፡

ሚኒስትር ዴኤታ ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን በርኦ ሃሰን ከምዝበሉዎ÷ ኢትዮጵያ ካብ ቀረባ እዋን ንደሓር ናይ ነዳዲ ተሽከርከርቲ ብኤሌክትሪክ መኻይን ኣብ ምትካእ ብልዑል ቅልጣፈ እናወገነት ትርከብ፡፡

እዚ ድማ እታ ሃገር ካብ ፅግዕተኝነት ነዳዲ ንምንጋፍ ንዘላቒ ልምዓትን ዝሕደስ ሓይሊን ዝሃበቶ ልዑል ትኹረት ዘርኢ ኢዩ ኢሎም፡፡

ኢትዮጵያ ኣብ ዝሕደስ ሓይሊ ዘለዋ ዓቕሚ ብምጥቃም ብኽለት ከባቢ ንምንካይን ናይ ዜጋታት ትራንስፖርት ወፃኢ ንምቑጣብ እናሰርሐት ከምትርከብ እውን ኣመልኪቶም፡፡

ብመቅደስ ከበደ

Comments (0)
Add Comment