ሚዲያ ንሓበራዊ ያታ …

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)”ዕቤት ሚዲያ ንህንፀት ያታ” ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ዓውዲ ሚዲያን ትካላትን ዝተመዝገቡ ዓወታት ዝዝቲ መድረኽ ትማሊ ተኻይዱ።

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብቲ መድረኽ ካብ ዘካፈሉዎም ሓሳባት፤ ኣብ ዝኾነ እዋን ሰባት ንሓደ ነገር ጥራሕ ኣጉሊሆም ክኸውን ይኽእል ኢዩ፤ እዚ ድማ ከምዘይጠቕመና ርኢና ኢና ዝብል ኢዩ።

ብምዃኑ ድማ ናይ ሓደ ወገን ምጉላህ ስዒቡ ዝመፅአ ብልሹው ኣሰራርሓን ልምምድን ምስፋሕ ጎዳኢ ከምዝኾነ ብምግንዛብ፤ ኣብ ዘተኣኻኽበናን ሓደ ኣብ ዝገብረናን ጉዳይ ምድሃብ ብዝበለፀ ንጉዕዞና ዝተመቸወ ክኸውን ኢዩ ክብሉ ኣብሪሆም።

ነዚ ድማ ካብ ናይ ሕትመት ሚዲያ ክሳብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዘለዉ ትካላት ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ንዘተኣኻኽብ ሓበራዊ ያታ ዝሃቡዎ ትኹረት ኣጠናኺሮም ከቐፅሉ ከምዘለዎም ኣተሓሳሲቦም።

ንማሕበረሰብ ሓበሬታ ንምትሕልላፍ፣ ህዝቢ ንምምሃርን ኣመለኻኽታ ንምሕንፃፅ ልዑል ግደ ዘለዎ ሚዲያ ከም ኢትዮጵያ ንዝበላ ብዝሃ ብሄር፣ ቋንቋን ባህሊን ንዘለወን ሃገራት ቁልፊ ግደ ኣለወን።

ሚዲያ ንማሕበረሰብ ንምቅርራብ፣ ሓበራዊ ክብሪታት ንምጉልባትን ብሄራዊ ሓድነት ንምጥንኻር ከቢድ ገዛ ዕዮ ስለዘለዎ ብትግሃት ክሰርሕ ትፅቢት ይግበረሉ ክብሉ ኣገንዚቦም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment