ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሚያዝያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢንዱስትሪ ማኑፋክቸሪንግ ልቢ ኢኮኖሚ እዩ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር “ልቢ ልኡላውነት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ምስ ኢቢሲ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት እዩ ከምዚ ዝበሉ።
ኣብ ፃንሒቶም መንግስቲ መደመር ዝነበሮ ማእኸላይ ሓሳብ ኣብ ኩሉ ነገር ሚዛን ምሕላው ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ዝኾኑ መንግስታት ዝበዝሕ ሓሳባቶም ኣብ ፖለቲካ ኣተኲሮም ኢኮኖሚ ተኸታሊ ገይሮም ፈቲኖም እኳ እንተነበሩ እዚ ኣገባብ ግን ብዙሕ ተግባራዊ ከምዘይነበረ ገሊፆም።
ካልኦት ድማ ዝበዝሕ ሓሳባቶም ኣብ ኢኮኖሚ ንምግባር ፅዒሮም፤ ንሳቶም እውን ተኾነ ዝኾነ ውስንነት ኣለዎም ኢሎም።
ኣብ ፖለቲካን ኢኮኖንሚ ብግቡእ ንምርዳእን ንምምራሕን ኢኮኖሚ ሚዛን ምሕላው ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊፆም።
መንግስቲ መደመር ኣብ ሚዛን ዝተመስረተ፤ እቲ ሓደ ገዚፉ እቲ ካልኣይ ድማ እንተነኣሰ ዘድሊ ሱር ቦቆስ ለውጢ ንምምፃእ ኣፀጋሚ እዩ ኢሎም።
ኣብ ኢንዳስትሪ ማኑፋክቸሪንግ ትኹረት እንገብረሉ ቀንዲ ምኽንያት ዝኾነ ይኹን ነቲ ኢንዱስትሪ ክትዓቢን ክትቅይሮን እትደሊ ሃገር ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገርን ልቢ ኢኮኖሚን ስለዝኾነ እዩ ክብሉ ኣብሪሆም።
ብኣድማሱ ኣራጋው