ምልዓተ ጉባኤ ርክበ ካህናት ቅዱስ ሲኖዶስ ምክያድ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ምልዓተ ጉባኤ ርክበ ካህናት ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ምክያድ ጀሚሩ።

ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ቀዳማዊ ፓትርያርክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኢትዮጵያ ሊቀ ጳጳስ ዘኣክሱም ወእጨጌ ዘመንበረ ተክለ ሃይማኖት፤ ምጅማር እቲ ጉባኤ ኣመልኪቶም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም፡፡

ኣብ መልእኽቶም ድማ ኩሎም ወገናት ፀገማት ብሰላም ጥራሕ ንምፍታህ ብሓባር ክሰርሑ ከምዘለዎም ተዛሪቦም፡፡

ካብ ሰላም ወፃእ ዝውሰድ ዝኾነ ይኹን ኣማራፂ ንዘላቂ ሰላም ከምዘይጠቅም ኣፅንኦት ሂቦም፡፡

ህዝቢ ናብ ሓድነት፣ ፍቕሪ፣ ሰላምን ናብ ፈሪሃ እግዚአብሄርን ምምፃእ ዕላማ እቲ ጉባኤ ከምዝኾነ ኣዘኻኺሮም፡፡

ኣብቲ ጉባኤ እዋናዊ ኩነታት እታ ቤተክርስቲያን፣ መንፈሳዊን ምምሕዳራዊ ጉዳያት ከምኡ እውን ሃገራዊ ሰላም ዝተመልከቱ ውሳነታት ክመሓላለፉ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

በቢዓመቱ ኣብ ወርሒ ግንቦት ዘካይዶ ጉባኤ ርክበ ካህናት ንሓድነትን ጥንካረን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ልዑል ረብሓ ከምዘለዎ ተመልኪቱ፡፡

ብኣልማዝ መኮንን

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment