ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊን ማሕበራዊን ቅልውላዋት እናተቐበለት ኣብዚ በፂሓ እያ፤ እንተኾነ ግን እዚ ዓመት ካብ ካልኦት ዝተፈለየን ናይ ተስፋን ዓመት እዩ።
7ይ ሓፈሻዊ መረፃ 42 ፓርቲታት ፖለቲካ፣ 10 ሺሕን 438 ሕፁያት፣ ከምኡ እውን ልዕሊ 54 ሚልየን መረፅቲ ተሳቲፎምሉ ብዓወት ተዛዚሙ።
እቲ ሓፈሻዊ መረፃ ሰላማዊ፣ ዲሞክራስያዊ፣ ፍትሓዊን ተኣማንነት ብዘለዎ መልክዑ ብዓወት ምዝዛሙ ይዝከር።
እዚ ዓመት ፍሉይ ዝገብሮ ድማ ምስረታ መንግስቲ ዝካየደሉ ዓመት ብምዃኑ ጥራሕ ዘይኮነስ፤ ንዘበናት ኣብ ምድሪ ኢትዮጵያ ዝተፈጠሩ ዘይምርድዳኣት ንምፍታሕ ሃገራዊ ዘተ ዝተኻየደሉ ዓመት ብምዃኑ እውን እዩ።
ብምዃኑ እዚ ዓመት ዓመተ ተስፋ ክኸውን ዝገበሮ፤ ኢትዮጵያ ፀገማታ ፈልያ መፍትሒ ዘዳለወትሉ ዓመት ብምዃኑ እዩ።
ካብ መላእ ኢትዮጵያ ተኣኪቦም ኣብ ሓደ ጠረጴዛ ዘተ መፍትሒ ሓሳባት ዝቐረቡሎም ኣጀንዳታት ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ፖለቲካዊን ማሕበራዊን ዘይምርድዳኣት ክፈትሑ ተባሂሎም ዝተቐመጡሉን ተስፋ ዝተገብረሎምን እዮም።
ኢትዮጵያ ንሓዱሽ ዓመት 2019 ዓ.ም ብሓዱሽ ምስረታ መንግስቲ፣ ብሓዱሽ ተስፋ ዕቤት፣ ብሓዱሽ ተበግሶ ስራሕ፣ ብሓዱሽ ዕቤት ቴክኖሎጂ፣ ብሓዱሽ ፈጠራ ስራሕ፣ ብሓደሽቲ ሓሳባት መፍትሒን ብሓደሽቲ ምምሕያሻት ኣገልግሎትን ተቐቢላቶ ኣላ።
እዚ ዓመት ካብ ዝሓለፈ ዓመት ዝሓሸ ለውጢ ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ዝረአየሉ ዓመት ምዃኑ ዘመልክት እዩ።
ብምዃኑ ድማ 2019 ዓ.ም ኢትዮጵያ ካብ ሓዱሽ ምስረታ መንግስቲ ሓሊፉ ካልኦት ሓደሽቲን ተስፋ ዝህቡን ተግባራት ዝካየዱሉ ዓመት እውን እዩ።
25 መስከረም 2019 ዓ.ም ምስረታ ሓዱሽ መንግስቲ ዝካየድ እንትኸውን፤ ነቲ መርሃ ግብሪ ዘድልዩ ምድላዋት ብምሉኦም ከምዝተዛዘሙ ድማ ሓበሬታ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ የመልክት።
ኢትዮጵያ እውን ንመፃኢ ወለዶ ዝኸውን መሰረት እናንበረት ዕቤታ ብምቕፃል እትደልዮ ዕቤት ንምምዝጋብ ጉዕዞኣ እፃላጥፈሉ ዓመት እዩ።
ብእመቤት ሲሳይ