ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ንበዓል መስቀል ናይ እንኳዕ ኣብፅሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣16 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ንበዓል መስቀል ናይ እንኳዕ ኣብፅሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ምሉእ ቃል ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ፦

እንኳዕ ንብርሃነ መስቀሉ ኣብፅሐኩም!

በዓል መስቀል እቲ መስቀል ን300 ዓመታት ተሓቢኡ ድሕሪ ምፅናሕ ዝወፅሉ በዓል እዩ። ሰናይ ዜና ዝተነግረሉን ብርሃን ዝተገለፀሉን በዓል እዩ።

ኣብ ሓደ ዘበን ጌጋ ዝፈፀሙ ሰባት ዝፈጠርዎ ጉድኣት፣ ኣብ ካልእ ዘመን ዝተንስኡ ተጣበቕቲ ሰባት ኣስተኻኺሎምዎ። ከምቲ ንሕና ማዕፆ ባሕሪ ንምእራም እንሰርሖ ዘለና።

ኣፀጋሚ ኣዋርሕ ክረምቲ ሓሊፉ ዕንባባ ገልገለ መስቀል ኣብ ዝወፅአሉ ግዘ ዝኽበር መስቀል፣ ሓይሊ ምድማር ዘርኢ እዩ። ብሓደ ወገን ድማ ሽግ ተደሚሮም ደመራ ይሃንፁ።

ብኻልእ ወገን ድማ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኩሎም ተመሳሰልቲ መዓልቲ፣ ብተመሳሳሊ ኣኸባብራ፣ ከም ባህሊ ዝተፈላለዩ ብሄረሰባት ተደሚሮም ነቲ በዓል የኽብሩ።

ርሑስ በዓል ደመራን መስቀልን ይኹን።

 

 

Comments (0)
Add Comment