ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምብራቕ ሃረርጌ ወረዳ ግራዋ እናተወገኑ ዝርከቡ ስራሕቲ ልምዓት ሕርሻን ሓለዋ ከባቢን ተመልኪቶም።
ኣብቲ እዋን ዑደት ሚኒስትር ሕርሻ ኣዲሱ ኣረጋ ሓዊሱ ሓለፍቲ ስራሕ ክልልን ፌዴራልን ተሳቲፎም።
በዚ ድማ ኣብቲ ከባቢ ካብ ተፋሰስ ብተወሳኺ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ልምዓተ ፍረምረ፣ ፈልሲታት ደኒን ሓፈሻዊ ስራሕቲ ሕርሻን ንመናእሰይ እቲ ከባቢ ዕድል ስራሕ እናፈጠሩ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ።
መናእሰይ ኣብ ሰለስተ ማሕበራት ተወዲቦም ዝሰርሑዎም ልምዓት ሃፍቲ እንስሳት፣ ምርባሕ ንህቢን ኣትክልቲን ፍረምረን ብፍላይ ፍረታት ኣቮካዶ፣ ኣፕልን ካልኦትን ተዓዚቦም።
ብለይኩን ኣለም