ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ንበዓል መውሊድ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ንመበል 1501 ዓመት ዝኽሪ ልደት ነብዪ መሓመድ (ሰ.ዐ.ወ) በዓል መውሊድ፣ ናይ እንቋዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ ሙሉእ ትሕዝቶ ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ፦

እንኳዕ ንመበል 1501 ዓመት ዝኽሪ ልደት ነብዪ መሓመድ (ሰ.ዐ.ወ) በዓል መውሊድ ብሰላም ኣብፀሐኩም!

መውሊድ ዓበይቲ ሰባትና እንዝክረሉ፣ ምትሕብባርን ሓቢርካ ምንባርን፣ ምትሕዝዛንን ምፍቕቓድን ብተግባር ዝግለፀሉ እዩ። ዘለዎ ንዘይብሉ ዝካፈለሉ፣ ማሕበራዊ ምትእስሳር ዝጠናኸረሉን ብሓድነት ሓቢርካ ዝኽበርን ዓብዪ በዓል እዩ።

ነዚ በዓል እነኽብሮ ድማ ነብዪ መሓመድ (ሰ.ዐ.ወ)ንዓለም እዝነት፣ ንሰናይ ሰባት ፅቡቕ ብስራት ዝብሰረሉ፣ ንተኸተልቶም ድማ ሓላልን ሓራምን ዘምህሩ ብምዃኖም፣ ትምህርቶምን ሰናይ ተግባራቶምን ዝዝከረሉን ዝወደሰሉን ብምዃኑ እዩ።

ሰናይ ተግባራት ነብዪ መሓመድ (ሰ.ዐ.ወ) ከይደብዘዙ ብድምቀት፣ ከይተሰረዙ ብህያውነት ክሳብ ሎሚ ይቕፅሉ ኣለዉ። ነዚ በዓል ብሓባር ከነኽብሮ ከለና፣ ብምሉእ ናይ ሰናይነት ተግባር፣ ብፍቕሪን ሓቢርካ ብምንባርን፣ ብሰላም፣ ብምትሕስሳብ፣ ከምኡ’ውን ንዝተፀገሙ ወገናትና ብምሕጋዝ ክኸውን ይግባእ።

ጠጠው ንዝበልናሉ ሰናይ ዕላማ ብትግሃት ምፅዓር፣ ንኻልኦት ዝጠቅም ሰናይ ፍረ ምፍራይ፣ ሃገርን ህዝብን ዝዝክሩሉ ኣሰር ምሕዳግ፣ ብሓባር ምስራሕ፣ ብጽንዓት ምቛም፣ ብፍልጠትን ትዕግስትን ድማ ናብ ዕላማና ምግስጋስ የድሊ።

ዳግም እንኳዕ ንመበል 1501 ዓመት ዝኽሪ ልደት ነብዪ መሓመድ (ሰ.ዐ.ወ) በዓል መውሊድ ብሰላም ኣብፀሐኩም!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment