ኣዲስ ኣበባ፣28 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ምክትል ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣሚና ጄን ሙሓመድ ንዕላዊ ዑደት ስራሕ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትየን።
እተን ምክትል ዋና ፀሓፊት ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሓ ዲኤታ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ብርሃኑ ፀጋዬ ኣቀባብላ ገይሮምለን።
ዑደት እተን ምክትል ዋና ፀሓፊት ኢትዮጵያን ሕቡራት ሃገራትን ቀዳምነት ኣብ ዝህቡሎም ሓበራዊ ጉዳያት ንምዝታይ ምዃኑ ኣምባሳደር ብርሃኑ ኣረዲኦም።
እዙይ ድማ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን እቲ ትካልን ዘሎ ናይ ነዊሕ እዋን ምሕዝነት ዝያዳ ንምጥንኻር ተወሳኺ ዕድል ከምዝፈጥር ምግላፀን ሓበሬታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ የረድእ።