ረቂቕ ኣዋጅ መመሓየሺ ሰራዊት ምክልኻል ናብ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ተመሪሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣዋጅ ሰራዊት ምክልኻል ንምምሕያሽ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ መሪሑ።
ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘካየዶ መበል 59 ስሩዕ ኣኼባኡ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ብምዝታይ ውሳነታት አሕሊፉ።
እቲ ቤት ምኽሪ ብምዝታይ ውሳነ ካብ ዝሃበሎም ጉዳያት ሓደ፤ ኣዋጅ ሰራዊት ምክልኻል ቁፅሪ 1286/2015 ንኽመሓየሽ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ እዩ።
ሰራዊት ምክልኻል ብመሰረት ድንጋገታት ሕገ-መንግስቲ ፌዴሪኢ ዓንቀፅ 87 ዝተውሃቦ ሃገራዊ ተልእኾታት ብሕጋዊ መገዲ ክፍፅም ዝኽእል ንምግባር እቲ መመሓየሺ ረቂቕ ኣዋጅ ከም ዝተዳለወ ተገሊፁ።
ብመሰረት እዚ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብቲ ዝቐረበሉ ረቂቕ ኣዋጅ ብዕምቆት ድሕሪ ምዝታይ እታወታት ብምውሳኽ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ክመሓላለፍ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ።
ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment