ሩሲያ ዘካየደቶ ፈተነ ኣህጉር ኣቋራፂ ባላስቲክ ሚሳኤል…

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሩሲያ “ሳርማት” ዝተብሃለ ዓረር ኒውክሌር ዝሽከም ኣህጉር ዘቋርፅ ፈተነ ባላስቲክ ሚሳኤል ኣካይዳ።

ፕሬዚዳንት ቭላድሚር ፑቲን ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ፤ ሩሲያ ኣብ ዓለምና ኣዚዩ ሓያል ተብሃለ ኣህጉር ዘቋርፅ ፈተነ ባላስቲክ ሚሳኤል ብዓወት ኣካይዳ።

ሩሲያ እዚ ሓዱሽ ጦር መሳርሒ ዘማዕበለቶ ኣሜሪካ ቅድሚ ዓመታት ካብ ስምምዕነት ምክልኻል ሚሳኤል ምውፃኣ ስዒቡ ንድሕንነታ ስግኣት ብምፍጣሩ ከምዝኾነ ገሊፆም።

እቲ ሚሳኤል ክሳብ 35 ሺሕ ኪሎ ሜትሮ ናይ ምጉዓዝ ዓቕሚ ዘለዎ እንትኸውን÷ ዝኾነ ሜላ መከላኸሊ ሚሳኤል ጥሒሱ ክሓልፍ ዝኽእል ከምዝኾነ ኣልጀዚራ ፀብፂቡ።

ካብ “ሳርማት” ብተወሳኺ ኣቫንጋርድ ዝተሰመየ ካብ ቅልጣፈ ድምፂ ብ27 ዕፅፊ ዝቕልጥፍ ሚሳኤልን ኦሬሽኒክ ዝተብሃሉ ዘበናዊ መሳርሒታትን ናብ ስራሕ ምእታዎም እቶም ፕሬዚዳንት ኣፍሊጦም።

እዞም ስጉምቲታት ሓይሊ ሚዛን ዓለም ንምሕላውን ስትራቴጂካዊ ድሕንነት ሩሲያ ንምርግጋፅን ዝዓለሙ ከምዝኾኑ እውን ተሓቢሩ።

ብዮናስ ጌትነት

Comments (0)
Add Comment