ሩስያ መበል 81 ዓመት ዓወት በዓላ ኣብ ቀይሕ ኣደባባይ ሞስኮ ተኽብር ኣላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ሩስያ ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣብ ልዕሊ ናዚ ጀርመን ዓወት ዘመዝገበትሉ መበል 81 ዓመት ዓወት በዓላ ብዝተፈላለዩ ስነ ስርዓት ተኽብር ኣላ።
እቲ በዓል ኣብ ዋና ከተማ ሞስኮ ኣብ ቀይሕ ኣደባባይ ብዝተፈላለዩ ወታደራዊ ምርኢታት እናተኸበረ ይርከብ።
ፕሬዚዳንት ቭላድሚር ፑቲን ኣብቲ እዋን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ “ወታደራትና ንናፅነትን ክብርን ኩሎም ኤውሮፓውያን ክቡር ሂወቶም መስዋእቲ ከፊሎም” ኢሎም።
መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት፣ ነበር ወታደራትን ላዕለዎት ሰብመዚን እታ ሃገርን ኣብቲ መርሃ ግብሪ ተረኺቦም ክብል ሩስያ ቱደይ ፀብፂቡ።
Comments (0)
Add Comment