ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያን ቻይናን ተጠናኺሩ ንክቕፅል ጠመተ ተዋሂቡ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም ብምክትል ቀደማይ ሚኒስትር መዓርግ ሓላፊ ማእኸል ምትሕብባር ሀንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን መክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣይተ ኣደም ፋራህ።
ኣይተ ኣደም ፋራህ ሎሚ ንበዓል ሙሉእ ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ቼን ሃይን ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ብምቕባል ዘቲዮም።
እቶም ኣምባሳደር፥ ፓርቲ ኮሚኒስት ቻይና መበል ሻውዓይ ሓፈሻዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ብዓመወት ብምዝዛሙን ፓርቲ ብልፅግና ብምዕዋቱን ዘመሓላለፎ ናይ እንቋዕ ደስ በለኩም መልእኽቲ ኣብፂሖም።
እቲ ፓርቲ ኣብ መልእኽቱ ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ብዝህብዎ መሪሕነት ኣብ ኢትዮጵያ ቀፃልነት ዘለዎ ሰላምን ምርግጋዕን፣ ብሄራዊ ሓድነትን ኩለ መዳያዊ ምዕባለን እናተረጋገፀ ከምዝቕፅል ዘለዎ እምነት ገሊፆም።
ውፅኢት ምርጫ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንፓርቲ ብልፅግና ዘለዎ ድጋፍ ዘርእይን ኣብ ቀፃሊ እቲ ፓርቲ ንህዝብታት ኢትዮጵያ ኣዛሚዱ ብምምራሕ ንኢትዮጵያ ናብ ኣብነታዊት ሃገር ናይ ምሽግጋር ሸቶ ዕላዊ ከምዝገብር ሓቢሮም።
ኣይተ ኣደም ፋራህ ብግደኦም፥ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ቻይናን ዘሎ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢን መንግስቲን ከምኡ’ውን ምስ ፓርቲ ኮሚኒስት ቻይና ዘሎ ምትሕብባር ተጠናኺሩ ንክቕፅል ጠመተ ተዋሂቡ ይስራሕ ከምዘሎ ተዛሪቦም።
ክልቲአን ፓርቲታት ሃገር ቦቆል ኣብ ዝኾኑ ኣተሓሳስባታት እናተመርሓ መፈትሒታት ብምፍልፋል ውፅኢት ምምዝጋብ ምኽኣለን ገሊፆም።
ኩለ መዳይ ኣብ ዝኾኑ ዛዕባታት ተሓባቢርካ ካብ ምስራሕ ብተወሳኺ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ዘግበር ዘሎ ኩለ መዳይ ደገፍ ዘለዎም ምስጋና አቕሪቦም።
Boost this post to get more r