ሰላምን ዕቤትን ሱዳን ከም ቀጥተኛ ስግኣት ትምልከት ግብፂ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ግብፂ ሰላምን ምዕባለን ሱዳን ከም ቀጥተኛ ስግኣት ኢያ ትመለከቶ ኢሎም ሱዳናዊ ፀሓፊን ተንታኒን ናስር ሳቲ (ዶ/ር)።

ኣብዚ ሰሙን ሱዳን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘልዐለቶ ክሲ ስዒቡ ሱዳናዊ ፀሓፊ ናስር ሳቲ (ዶ/ር) ኣብ ሞንጎ ሱዳንን ግብፂን ዘሎ ፖለቲካን ስትራቴጂን ርክብ ብስፍሓት ዳህሲሶም፡፡

እቶም ፀሓፊ ካርቱም ድሕሪ ናፅነት ንካይሮ ዘርአየቶ ፖለቲካዊ ተፀላኣነት ብምኹናን እዚ ኩነታት ኣብ ድሕንነትን ጂኦፖለቲካን እቲ ዞባ ልዑል ፅዕንቶ ከምዘሕደረ ኣልዒሎም።

ግብፂ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ዘለዋ ድሌት ግልፂን ዝፍለጥን ከምዝኾነ ብምሕባረ፤ ሱዳን ብወርቂ፣ ሃፍቲ ማይን ሰፊሕ ዝሕረስ መሬታን ብምጥቃም ብርእሳ ጠጠው ዝበለት ጥንክርቲ ሃገር ክትከውን ከምዘይትደሊ ገሊፆም።

ግብፅ ዕቤት ሱዳን ከም ቀጥተኛ ዞባዊ ስግኣት ከምትምልከት ብምሕባር፤ ሱዳን እንድሕር ጠንኪራ ርእሳ ዝኸኣለት ቅዋም ፖለቲካን ኢኮኖሚን ዘለዋ ሃገር ክትከውን ኢያ ዝብል ፍርሒ ከምዘለዋ ሓቢሮም።

ካይሮ ንሱዳን ንብዙሓት ዓመታት ኣብ ትሕቲ ፖለቲካዊን ስትራቴጂካዊን ፅዕንቶኣ ንምግባር ብተደጋጋሚ ከምዝሰርሐት ኣብሪሆም፡፡

ብኣሚር በድሩ

Comments (0)
Add Comment