ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ሰብ ሰራሕ ብልሒ ብሓፈሻ ኣብ ምትእስሳር እታወት ቱሪዝም መሰረታዊ ለውጢ እናምፀአ ይርከብ።
ናይዚ ዓመት ዓለም ለኸ መዓልቲ ቱሪዝም “ዲጂታል ኣጀንዳን ሰብ ሰራሕ ብልሒ ንሓዱሽ ኣተሓሳስባ ቱሪዝም” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ክኽበር እዩ።
ኣብ ዓውዲ ቱሪዝም ዝተርኣዩ ሓደሽቲ ለውጢታት ቴክኖሎጂን መፃኢ ኣንፈታትንፃምምልካት ምስ ፋና ዲጂታል ፃንሒት ዝገበሩ ኣብ ሚኒስቴር ቱሪዝም ኣማኻሪ ስትራቴጂክ ኣይተ ቴዎድሮስ ደርበው ከምዝበሉዎ፤ ሰብ ሰራሕ ምስትውዓል ንዘፈር ቱሪዝም ብዙሕ ዓይነት ረብሓታት ኣለዎ።
ብፍላይ ንምድላው መርሃ ግብሪ ጉዕዞን ፓኬጅ ቱሪዝምን፣ ንኣወሃህባ ፅሬት ኣገልግሎትን ቁፅፅርን፣ ንውልቃዊ ሕርያታት ወይ እውን ድሌታት መሰረት ዝገበረ ኣገልግሎት ቱሪዝም፣ ሓገዝ ኣገልግሎት ዓማዊል፣ ኣብ መረዳእታ ዝተመስረተ መፅናዕቲ ዕዳጋን ካልኦት ብዙሓት ረብሓታትን ወሳኒ ምዃኑ ኣመልኪቶም።
ሰብ ሰራሕ ብልሒ ድሌት፣ ሕርያ፣ ባህሪን ነባር ተሞክሮታትን ቱሪስታት ብምትንታን ንነፍሲ ወከፍ በፃሒ ዝሰማዕማዑ መብፅሒ፣ ሆቴላትን ኣማራፂታት ዑደትን ከቕርብ ከምዝኽእል ገሊፆም።
ካዚ ብተወሳኺ ሃንደበታዊ ዳታታት ብምእካብ ተለዋዋጢ ኩነታት እንትፍጠሩ ትኽክለኛ ሓበሬታ ብመሃብ በፃሕቲ ዝሐሸ ውሳነ ንኽውስኑ ከምዝሕግዝ ኣብሪሆም።
እቲ ቴክኖሎጂ ኣብ ዘፈር ቱሪዝም ቅልጡፍን ውፅኢታዊን ኣገልግሎት ንምቕራብን ቁፅፅር ፅሬት ንምክያድ ከምዘኽእል ገሊፆም።
ትካላት መስተንግዶ ቱሪስት፣ ድሌታት ኣጋይሽን ኣጠቓቕማ ኣገልግሎትን ብዝበለጸ ንኽርድኡ ብምግባር፣ ከምኡ ድማ ኣብ እዋን ኣቕርቦት ኣገልግሎት ዝፍጠሩ ጉድለታት ብቕልጡፍ ንምክትታልን ንምእራምን ከምዘኽእል ገሊፆም።
ሰብ ሰራሕ ብልሒ ንበፃሕቲ ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ሓበሬታ ብምሃብ ከምኡ እውን ከም ሰብ ዝዛረቡ ‘ቻትቦት’ ንበፃሕቲ ንሕቶታት ምላሽ ብምሃብ ዕንቅፋት ዘይብሉ ተሞክሮ በፃሕቲ ንምፍጣር ከምዘኽእል ኣብሪሆም።
እቲ ቴክኖሎጂ ኣብ መረዳእታ ዝተመስረተ መፅናዕቲ ዕዳጋን ትንበያን ንምክያድ ከምዝሕግዝ ብምፅራሕ፤ ሓበሬታ በፃሕቲ ብምትንታን ድሌት ቱሪስታትን ኣንፈት ዕዳጋን እንታይ ክመስል ከምዝኽእል ኣቐዲሙ ብምግማት ውፅኢታዊ ስራሕ ብራንዲንግ ንምክያድ ከምዘኽእል ገሊፆም።
ቱሪስታት መብፅሒታት ብቐሊሉ ንኽረኽቡን ክመርፁን ብምሕጋዝ ንሓለዋ ተፈጥሮን ዘላቒ ልምዓት ቱሪዝምን ልዑል ኣበርክቶ ከምዘለዎ ኣይተ ቴዎድሮስ ኣብሪሆም።
ኣብ ቀረባ እዋን ብሚኒስቴር ቱሪዝም ኣቢሎም ሓደሽቲ ማእኸላት ዲጂታል ሓበሬታ ቱሪስት ተሃኒፆም ናብ ስራሕ ኣትዮም እዮም።
እቶም ማእኸላት፣ ብሰብ ሰራሕ ኣስተውዕሎ ዝድገፉ ዲጂታላዊ መድረኻት ብምጥቃም፣ ናብ ሃገር ዝኣትዉ በፃሕቲ ብዛዕባ መብፅሒታት፣ ባህሊታትን ታሪኽን ዝተዋደደን ፅሬት ዘለዎን ሓበሬታ ብቕልጡፍ ንኽረኽቡ ይገብሩ።
ሰብ ሰራሕ ብልሒ ንዓውዲ ቱሪዝም ናብ ዘበናዊ፣ ቅልጡፍ፣ ፍትሓዊን ንከባቢ ናብ ዝስማዕማዕን ደረጃ ብምስግጋር መፃኢ ጉዕዞ እቲ ዓውዲ ብዝሐሸ መገዲ እናሓንፀፀ ይርከብ።
ብቴዎድሮስ ሳህለ