ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ሃገራዊ ጉባኤ ዘተ 250 ኣባላት ኣብ ዘለዉዎ 16 ስልታዊ ጉጅለታ ዝተወደቡ ተዛተይቲ ዝገብሩዎ ዘተ ሎሚ መዓልቲ እውን ቀፂሉ ውዒሉ፡፡
ኣብ 250 ኣባላት ዝተወደቡ 16 ስልታዊ ጉጅለታት ካብ ደቀቕቲን ኣናእሽተይን ጉጅለታት ኣብ ዝተረኸቡሉን ብዝተጠናኸሩን ናይ ኣጀንዳ ምኽረ ሓሳባት ካብ ትማሊ ጀሚሮም ተዛቲዮም፡፡
ትማሊ ኣብ ዝነበረ ውዕሎ ዘተ ከካብ ሕድሕድ ስልታዊ ጉጅለ ዝተመረፁ 25 ኣጠናኸርቲ ምኽረ ሓሳባት ኣጀንዳ ኣቢሎም ዝተወደቡ ሓሳባት ዝሰምዐ 16ቲኦም በዓል 250 ኣባላት ስልታዊ ጉጅለ ኣባላት ኣብ ደቀቕቲን ኣናእሽተይን ንእሳን ጉጅለታት ተላዒሎም ብዝቐረበ ቃለ ጉባኤ ዘይተኻተቱን ብግቡእ ዘይተብራህርሁን ሓሳባት ምቕራቡ ይዝከር፡፡
ስልታዊ ጉጅለታት ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ ውዕሎኦም ዝተውሃቡ ርኢቶታት ተወሲኹዎም ዳግም ዝተወደበ ቃለ ጉባኤ ሓበራዊ ብምግባር ኣብ ቀፃሊ ንዝግበርን 500 ተዛተይቲ ንዝሓዙን 8 ጉጅለታት ምድላው ዘተ እናገበሩ ውዒሎም፡፡
ፅባሕ ኣብ ሃገራዊ ጉባኤ ዘተ ኣብ ከይዲ ምሃብ ውሳነ ሓገዝ ዝገብሩ ናይ ክልል (ምምጅዳር ከተማ)ን ፌዴራልን ተወከልቲ መረፃ ክግበር ኢዩ፡፡
ኢትዮጵያ ትዝቲ ኣላ!